Author - Messi Samuel

ማእከል – ንኣመሓደርቲ ከባቢ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብ31 መጋቢትን 1 ሚያዝያን ኣብ ዝተወደበ ናይ ምልውዋጥ ተመኲሮ መድረኽ፡ ንሓደስቲ ኣመሓደርቲ ከባቢ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሓላፊ ክፍሊ ስታቲስቲክስን ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታን ኣቶ ቴድሮስ ተኽለ፡...

‘ማሞስ’ – ዓቕሚ መማህራን ንምብራኽ ስልጠና ወዲቡ

ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ ዓቕሚ መማህራን ክብ ብምባል ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከጋጥሙ ዝጸንሑ ጸገማት ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምፍታሕ ዝሕግዝ፡ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ወዲቡ። ዳይረክተር ‘ማሞስ’ መምህር ተስፋይ ተወልደ ብ30 መጋቢት ምስ...

ኣብ ፎርቶ-ሳዋ፡ ባህላውን ስፖርታውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኻዪዱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ስፖርታውን ባህላውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ 25 ክሳብ 28 መጋቢት ተኻዪዱ። ኣብ ስነ-ስርዓት ምዝዛም፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዑስማን እድሪስ፡ እቲ ኣካል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዀነ ቅነ፡...

ሰ/ቀ/ባሕሪ – ብሞያ ዝሰልጠና 54 ኣለይቲ ስድራ ተመሪቐን

ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሞያታት ሲንጀርን ምጥላፍን ንሽዱሽተ ወርሒ፣ ብምድላው መግቢ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ዘሰልጠነን 54 ኣለይቲ ስድራ ነበርቲ ከተማ ባጽዕ፡ ብ31 መጋቢት ኣመሪቑ። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ወኪል’ቲ ጨንፈር...

ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ መነባብሮ ኣባላቱ ንምምሕያሽ ጻዕሪታት የካዪድ

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ መነባብሮ ኣባላቱ ንምምሕያሽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ኣተባባዒ ውጽኢት ከርኢ፡ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ክዓዝዝ ብ18 መጋቢት ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ጸዊዑ። ሓላፊ ክፍሊ...

በሪኽ – ሰፊሕ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ስራሓት ይካየድ ኣሎ

ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ከም ኣካል ምድላዋት ንክራማት – ኣብ መሬት ሕርሻን ጎቦታትን፡ ሰፊሕ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ወፈራታት ይሰላሰል ኣሎ። እቲ ኣብ 12 ምምሕዳራት ከባቢን 21 ዓድታትን፡ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እናወፈርካ...

ሌ/ኮሎኔል ተስፋስላሴ ነጋሽ ተሰዊኡ

ኣባል እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ – ገዲም ተጋዳላይ ሌተና ኮሎኔል ተስፋስላሴ ነጋሽ ገብረታትዮስ፡ ብ31 መጋቢት ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ...

መንእሰያት ሰራሕተኛታት ን/ዞባ ዒላ-በርዕድ ጉባኤ ኣቃኒዖም

ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ሃማመተኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድ፡ ብ28ን 29ን መጋቢት ንጥፈታቱ ብምግምጋም ቀዳማይ ጉባኤ ኣቃኒዑ። ኣብ ዝቐረበ ናይ ሰለስተ ዓመታት ጸብጻብ፡ ኣብ ምስግጋር ክብርታት ሕብረተ-ሰብን ሰውራን፣ ምስፋሕ ውዳበን ምብራኽ ንቕሓትን፣ ስድራ...

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ እቶታውነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ኣብ ዝሕግዙ ኣገባባት ተዘትዩ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ሕርሻዊ እቶትን እቶታውነትን ንምድንፋዕ ከምኡ’ውን ውሕሉል ምሕደራ ኣጠቓቕማ ማይን መሬትን ንምትእትታው፡ ምስ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ፡ ህዝብን ሰራዊትን ብምውህሃድ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣምባሳደር ማሕሙድ ዓሊ ሕሩይ...

ሓበሬታ

ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ናይቶም ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ፡ 9,728 ክኸውን እንከሎ፡ 9,623 ካብ’ዚኦም ሓውዮም...

Login

Categories