Author - Messi Samuel

ማእከል – ስልጠናታት ንመማህራን ኣተባባዒ ውጽኢት ኣርእዩ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሞያዊ ዓቕሚ መማህራን ንምዕባይ ዝውደብ ስልጠናታት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምምሕያሽ ውጽኢት ተመሃሮ ድማ ብፍላይ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ኣሎ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ መጽናዕቲ፡ ውጥንን ስልጠናን መምህር...

ባይቶ ዞባ ደቡብ፡ መበል 20 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ

ባይቶ ዞባ ደቡ መበል 20 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ7 ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣቃኒዑ። ኣቦ-መንበር ባይቶ መምህር ወልዳይ ገብረ፡ ምህናጽ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ፣ ምንጋስ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ልምዓታውን ድሕነታውን መደባት፣ ከምኡ’ውን ምውሓስ ሃገራዊ ጸጥታን ርግኣትን ካብ’ቶም...

ዓሰብ – ኣብ ድሕነት ጸጋታት ባሕሪ ተዘትዩ

ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ፡ ኣብ ምዕቃብ ጸጋታት ባሕሪ ብሓፈሻ፡ ኣብ ገረብ ሾራ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ – ብ30 መጋቢት ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ማሕበራት ተራድኦን ዘተ ኣካዪዱ። ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ግዝያዊ ሓላፊ...

ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ሽወደን፡ ዓመታዊ ጉባኤ ኣቃኒዑ

ኣብ ምሕያል ኤርትራዊ ጥርናፈ ዝነጥፍ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ሽወደን – ”ዕዉት ማሕበረ-ሰብ፡ ንዓወት ኤርትራዊ ሃገራውነት” ብዝብል ቴማ፡ ብ26 መጋቢት ኣብ ስቶክሆልም ዓመታዊ ጉባኤ ኣካዪዱን፡ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ መሪጹን። ኣብ’ቲ ካብ መላእ ሽወደን ዝመጽኡ...

እምኒ-ሓይሊ – ኮም ዘማእከለ ከባቢያዊ ጽሬት ብምልኣት ተተግቢሩ

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ጥዕና ኣከባቢ ብምውሓስ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ዝተበገሰ ኮም ዘማእከለ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ብምልኣት ከም እተተግበረ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ድማ ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ። ሓላፊ ማእከል ጥዕና ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ...

ደቡብ – ኣባላት ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ማእከል፡ ኣብ ቦታታት ልምዓት ዑደት ኣካዪዶም

ኣባላት ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ንምዕዛብ፡ ብ4 ሚያዝያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዑደት ኣካዪዶም። ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለን ሓለፍቲ ክፍልታትን እውን ምስኣቶም ተጓዒዞም...

ሓበሬታ

ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓንቲ ዜጋ ካብ ቁሸት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፋ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,729 በጺሑ ኣሎ። 9,625 ካብ’ዚኦም ሓውዮም...

ዓንሰባ – ብሃማደኤ ዝተተኽለ ኣግራብ ሕሩም ሕዛእቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ

ኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ኣብ ዝርከብ ሕሩም ሕዛእቲ ኢራ-ታሕታይ ዝተኸላኦ ፈልሲታት ኣግራብ፡ ኣብ ምርጋእ መሬትን ስነ-ህይወታዊ ብዙሕነትን ጽቡቕ ውጽኢት የርኢ ኣሎ። እዚ ኣብ 40 ሄክታር ዝተኸለለ ሕሩም ሕዛእቲ፡ 28 ሽሕ...

ኣብ ን/ዞባ ሞልቊ፡ መጠን ምሕላፍ ተመሃሮ ዕብየት ኣርእዩ

ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ – ንኡስ ዞባ ሞልቊ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ቁጽሪ ተመሃሮ ብ16.6 ሚእታዊት፣ መጠን ምሕላፍ ድማ ብ18.8 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ተሓቢሩ። ኩነታት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ንምግምጋም፡ ብ27 መጋቢት ኣብ ዝተገብረ...

ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ልዕሊ 2,500 ዜጋታት ዕዉት መብጣሕቲ ተገይሩሎም

ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ኣብ 2021 – ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድመኦም 300 ቈልዑ ንዝርከብዎም፡ ልዕሊ 2,500 ዜጋታት ዕዉት መብጣሕቲ ከምዝተገብረሎም ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ሆስፒታል ሓላፊ ክፍሊ መብጣሕቲ ዶ/ር ዮሴፍ ተወልደ፡ ሓፈሻዊ መብጣሕቲ፡ ናይ...

Login

Categories