ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 2 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,733 በጺሑ ኣሎ። 9,629 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡...
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ዝተወደበ ስልጠና፡ ን166 ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካየድቲ ስራሕን ተዋሂቡ። እቲ ስልጠና፡ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን፡ ምሕደራ ግዜን ንብረትን፡ ምሕደራን ዕቃበን ሰነዳት፡ ምሕደራ ፋይናንሳዊ ኣታዊታት፡...
ውዳበ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ራብዓይ ጉባኤ ኣቃኒዑ። ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ውዳበ፡ መንእሰይ ጠዓመ ማሉ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልምዓታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ስፖርታውን ፖለቲካውን ንጥፈታት...
ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ ሕጊ ትራፊክ ብምዕባይ ሓደጋታትን ሳዕቤናቶምን ንምክልኻል ብዘካይዶ ዘሎ ዕማም፡ ብ13 ሚያዝያ ንተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ባጽዕ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣዛዚ’ቲ ቤት-ጽሕፈት ሜጀር ንርኣዮ ጸጋይ ኣብ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝርአ ጸገማት ንምፍታሕ፡ ኮሚተ ወለዲ ዝተሳተፍዎ ዘተ ተኻዪዱ። ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሓሪ ተሾመ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝርአ ቀንዲ ጸገማት ድሕሪ ምጥቃስ፡...
ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ፡ ሓውዩ ተፋንዩ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,733 በጺሑ ኣሎ። 9,627 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት...
ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ግብሪ መሬትን ልቸንሳን ዝኸፍሉ ወነንቲ ትካላትን ኣባይትን፡ ዕዳኦም ብኣጋ ከጻፍፉ ጸዊዑ። ሓላፊ ኣሃዱ ኣታዊ ግብሪን ቀረጽን ዞባ ማእከል ኣቶ ሃብተ የዕብዮ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 2003 ከይከፈሉን ንዝጀመርዎ መስርሕ ምስራዝ ልቸንሳ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ክብ ብምባል ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምብራኽ ዝሕግዝ ርክብ፡ ምስ ወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምምሕዳራት ከባቢ ‘ኣካይደን ኣግማይትን’ ተኻዪዱ። እቲ ዕላማ፡ ካብ ተሳታፍነት ኣብ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንዝተመርጹ ኣነባበርቲ ዓድን ኣከብቲ ግብርን፡ ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም ስልጠና ተዋሂቡ። ኣብ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ ሓበሬታ ኣቶ ጎይትኦም ሃብቶም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንትርጉምን ኣገዳስነትን ግብሪ መሬትን...
ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን፡ ኣብ ዓድዕለ – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣብ 300 ሄክታር ዝፈተኖ ምሩጽ ዘርኢ መሸላ፡ ኣብ ደረጃ ምጉናእ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ። ኣብ’ቲ ኮርፖረሽን ክኢላ ሕርሻዊ ልምዓት ኣቶ ኣድም ዑስማን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ መሸላ፡...