መበል 16 ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኤውሮጳ፡ “ኣፍሪቃ-ለኸ ሓርነትን – መሪሕነት ብዕላማን” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 14 ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ሮማ – ኢጣልያ ተቓኒዑ። ኣብ’ዚ ካብ ኤርትራ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን...
መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን፡ ዝሓለፈ ሰሙን “መስርሕ ጉዳዮም ንምስላጥ” ብዝብል ፈሊጥ፡ ንደለይቲ ዑቕባ ስደተኛታት ብቻርተር በረራታት ናብ ርዋንዳ ኬግዕዛን ኬጣይሳን፡ ብ120 ሚልዮን ፓውንድ መባእታዊ ክፍሊት፡ “ውዕል ፕሪቲ ፓተል” ኣብ ዝተሰምየ ስምምዕ ከምዝበጽሓ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ደንጐሎን ሰለሙናን፡ ሳላ’ቲ ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ሓለዋ ንጥፈታት ሰሲኑ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ከምዘሎ ከምዘሎ ተገሊጹ። ኣግራብ ብሓፈሻ፡ መበቈላዊ ኣግራብ ድማ ብፍላይ – ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ...
ኣብ ማእከል ጥዕና ሰረጀቓ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 78 ሚእታዊት ዝነበረ ሸፈነ ሕርስን ምክትታል ቅድመሕርስን፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ 2022 ናብ 92 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ተሓቢሩ። ሓላፊት’ቲ ማእከል ሲስተር ምልእተጸጋ ገብረማርያም፡ እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ 14 ሚእታዊት...
ኣባል እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ካሕሳይ ሓጐስ ዘርኢት፡ ብ17 ሚያዝያ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ሕዳር 1974 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኮሎኔል ካሕሳይ፡ ን48 ዓመታት ኣብ...
ኣብ ጋሕቴላይ፡ ኣገልግሎታት ማይ፡ ኤለትሪክን ጥዕናን ንምስፋሕ ስጒምቲ ይውሰድ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ታ ሓውሲ ከተማ ኣቶ ዘርእሰናይ ጋይም ሓቢሩ። ኣብ ኣገልግሎት ማይ ክርአ ዝጸንሐ ሕጽረት ንምፍታሕ፡ ሓዳስ ጀነረተር ተተኺላ መስርሕ ምዝርጋሕ መስመር ብጽቡቕ ይቕጽል...
ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ብ14 ሚያዝያ ኣብ ንኡስ ዞባ ገለብ ንዝርከብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መደባት ልምዓትን ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዱ። እቲ ንምምሕዳራት ከባቢ ቁሩሕ፡ ኣይባባን ምሕላብን ዘጠቓለለ ዑደት፡ ብቐንዱ ብኮም ዝሰላሰል ንጥፈታት...
መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣፍልጦ ሕጊ ብምብራኽ ምትሕብባር ህዝቢ ምስ ፖሊስ ንምዕባይን ተርእዮ ገበናት፡ በደላትን ሓደጋታት ትራፊክን ንምንካይን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።...
ተቐማጦ ድግሳ – ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ኣወሃሂዶም፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይና ዝጸንሐት ዲጋ ብደገፍ ማሽነሪ ይጽግኑ ኣለዉ። እቲ ብተበግሶ ህዝቢ ዝተጀመረ ስራሕ፡ ብልዑል ውህደት ነበርቲን ሰብ ሞያ ሕርሻን ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡...
ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ብምውህሃድ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርትን ኮሚሽን ስፖርትን ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተወደበ ስፖርታዊ ቅነ ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ፡ ብ9 ሚያዝያ ተዛዚሙ። እቲ 4 ናይ ማእከላይን 2 ናይ ካልኣይን ደረጃ ተመሃሮ ዝተሳተፍዎ ውድድራት፡ ኣብ...