ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሱዳን ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል...
ማሕበር ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብ15 ሚያዝያ 3ይ ጉባኤ ኣቃኒዑ። ጸሓፊ ማሕበር ኣቶ መድሃኔ ዮውሃንስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ጉባኤ ብሰንኪ ቅጥዕታት ምክልኻልን ምቊጽጻርን ኮሮና ቫይረስ ብሰለስተ ዓመት ከምእተደናጐየ ብምጥቃስ፡ ብማሕበር ደረጃ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና ካብ ዝርከባ 96 ዓድታት፡ እተን 67 ኮም ዝመርሖ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ብምልኣት ከምዘተግበራ ተገሊጹ። እዚ ዝተሓበረ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ግንዘቦ፡ ደቂ-ሌፋይ፡ ጎበለን ለጎ-ሳርዳን ዝርከባ 10 ዓድታት ዝፈጸማኦ ስራሕ ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ካብ...
ጥሕሰት ሕጊ መሬት ንምግታእ፡ ኩሎም ኣካላት – ኣብ ትግባረ ኣዋጃትን ሕጋጋትን ብንጥፈት ክዋስኡ፡ ብ18 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሓቲቱ። እቲ – ኣመሓደርቲ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን፡ ከምኡ’ውን ናይ ስራሕ መሻርኽቲ...
ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎ ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቡ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ሓደ ዜጋ ሓውዩ ተፋንዩ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,733 ክኸውን እንከሎ፡ ካብዚ’ኦም እቶም 9,630 ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ድማ...
ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ሓጋዝን፡ ናይ ሓመድ ጽርግያታት ብህዝባዊ ወፈራታት ይጽገን ኣሎ። ናይ ሓመድ ጽርግያ ዓዲ-ቐይሕ – ሕረት፡ ህዝቢ ምምሕዳር ከባቢ ማእለውያ ኣብ ዝወደቦ ወፈራ፡ ካብ ዓዲ-ቐይሕ ንሸነኽ ምዕራብ ኣስታት 5 ኪሎ-ሜተር ርሒቐን...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ኣብ ምድንፋዕ ሕርሻዊ እቶትን ምርጋእ ኣከባብን ዘተኰረ ወፈራዊ ልምዓታዊ መደባት ይሰላሰል ኣሎ። እቲ ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሓልሓልን ምምሕዳር ከባቢ መለብሶን ዝዕመም ዘሎ መደባት፡ መሬት ሕርሻ ኣብ ምምድማድን ሓመድን ማይን...
ሃማደኤ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ 6 ንኡሳን ዞባታት ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካየድቲ ስራሕን ኰይነን ንዝተመርጻ 46 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ስርሐንን ጉዕዞ ሂወተንን ዝሕግዘን ስልጠና ወዲቡ። እቲ ብ13ን 14ን ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ውጽኢት ዘድሃበ...
ሓረስቶት፡ እቶትን እቶታውነትን ንምዕባይ ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ባህርያዊ ድዂዕን ውሕሉል ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕን ከዘውትሩ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል ክኢላ ልምዓት ኣትክልቲ ኣቶ ዮናስ ገብሩ መኺሩ። ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ 2020/2021 ኣብ ግራውቶም ባህርያዊ...
ተርእዮ ገበናት፡ በደላትን ሓደጋታት ትራፊክን ንምቁጽጻር፡ ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ክዓዝዝ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ምክትል ተለንተ ገብረትንሳኤ ብርሃነ ጸዊዑ። ብ12 ሚያዝያ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣባላት ኮማዊ...