ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዳይረክተር ፋይናንስ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ዓንደማርያም ስብሃቱ ንጉሰ (በይሉል)፡ ብ22 ሚያዝያ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ፡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ዓንደማርያም...
ኣብ ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ፡ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዝነብሩ ዜጋታት ዝለኣኽዎ 100 ሽሕ ናቕፋ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን – ን100 ስድራ-ቤታት ስውኣትን ጽጉማት ወገናትን ተመቓሪሑ። ብ21 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምክፍፋል ናይ’ቲ...
ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ኣብ ገምገም ሩባታት ሕዳይ፡ ሞዖን ኣትካላትን ኣብ መስኖኣዊ ልምዓት ዝነጥፉ ሓረስቶት፡ እቶቶም ብዓይነትን መጠንን ካብ ንምባል ዘካየድዎ ጻዕሪ፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ይረኽቡሉ ከምዘለዉ ሓቢሮም። እቶም ኣልማዕቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ...
ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022 3.25 ልዕሊኡን ነጥቢ ንዘመዝገቡ 278 ብሉጻት ተመሃሮኡ ሸሊሙ። ብ20 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሰርቲፊኬት፡ ዲን ናይቲ ኮሌጅ ፕሮፌሰር ገብራይ ኣስገዶም፡ ተሸለምቲ...
ተመሃሮ ካብ ገበናትን ነውሪታትን ክሕየቡ፡ ምትሕብባር ወለዲን ፖሊስን ክዓዝዝ፡ ኣዛዚት 4ይ መደበር ፖሊስ ዞባ ማእከል ካፕተይን ሰምበላዊት ረዳእ፡ ብ20 ሚያዝያ ንተመሃሮ ኣብ ዝሃበቶ ኣስተምህሮ ኣዘኻኺራ። ኣብ’ቲ ብቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ዕዳጋ-ሓሙስ...
ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ንኣባላቱ ዘገልግል ማእከል ምንቅስቓስ ኣካላት – ማለት ጅምናዝዩም፡ ብ17 ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ከፊቱ። እዚ ብምትሕብባር ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ጨናፍሩን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን ክውን...
ናብ ሕብረተ-ሰብ ዝቐርብ ውጽኢት ጸባን ስጋን፡ ጥዕናኡ ዝተረጋገጸ ክኸውን ከምዝግባእ – ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ላዕለወይቲ ክኢላ መርመራ ጸባን ስጋን ወ/ሮ ነጻነት ኪዳነ ኣተሓሳሲባ። ንንጥፈታት ፋብሪካ ጸባ ኣስመራን ካልኦት መስሪሐን ዝሸጣ ሕጋውያን ትካላትን...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ 16 ተመሃሮ፡ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዋሂቦም። ብ17 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ተስፋኣለም ኣብርሃ፡ እቲ ሽልማት...
ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኡ ዓዲ-ቐይሕ ዝዀነ ሓደ ዜጋ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,734 በጺሑ ኣሎ። እዚኣቶም፡...
ኣብ ትሕቲ-ዕድመ ተመሃሮ ዘጋጥም ናይ ምርኣይ ወይ ናይ ምስማዕ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ትምህርቶም ካብ ምክትታል ዘሰናኽሎም ሕማማት ብኣጋ ንምልላይን ንምፍዋስን፡ ወለዲ ኣብ ምክትታል ጥዕና ደቆም ትኲራት ክዀኑ ሞያውያን ኣዘኻኺሮም። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል...