ብ3 ግንቦት ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ዝሃረመ በረድን ንፋስን ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ኣባይቲ፡ ጀራዲንን ሃብቲ ገረብን ጉድኣት ኣውሪዱ። በቲ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወቕዐ ዝናብ፡ ዚንጎታት ናይ 3 ክፍልታት ክቕንጠጥ እንከሎ፡ ኣብ ደረጃ ምብሳል በጺሑ ዝነበረ ልዕሊ...
ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ተኣላዪ ስንኩል – ገዲም ተጋዳላይ የማነ ዮውሃንስ ካሕሳይ (ወዲ ቐሺ)፡ ብ4 ግንቦት ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ...
ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ዝጠንቁ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምግታእ፡ ዕቱብ ስጒምትታት ክትግበር – ኤሪና ዝተወከሰቶም ነበርቲ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ሓቲቶም። ሓደጋታት ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2022 ከምዝወሰኸ ዝሕብር...
ኣብ ከተማ ኣስመራ እትርከብ – ቤትትምህርቲ ሓፈሻዊ ካልኣይ ደረጃ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 4 ምሉእ ነጥቢ ዘምጽኡ 146 ተመሃሮ ኣባላት መበል 33ን 34ን ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸሊማ። ካብኣቶም እተን 67 ደቂ-ኣንስትዮ...
ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ኣድራሻኣ ዓረዛ – ዞባ ደቡብ ዝዀነት ሓንቲ ዜጋ፡ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፋ ተረጋጊጹ። ዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,735 በጺሑ...
ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻዊ ኤክስተንሽን – ገዲም ተጋዳላይ ሕሩይ ኣስጎዶም ወልደማርያም፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ3 ግንቦት ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ...
ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኤርትራ፡ “ትካላዊ ውህደት ኮም ንዝሰረቱ ንጥፈታት ልግሲ ደም’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ29 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዓውደ- ዘተ ኣካዪዱ። ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣደ-መንበር ማሕበር ወ/ሮ ኣለም በርሀ፡ ነቶም ኣብ ሆስፒታላት...
መደበር ፈልሲ ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ መደባት ምግራብ ንምዕዋት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ዝትከል ልዕሊ 45 ሽሕ ፈልሲታት ከምዘዳለወት ተሓቢሩ። ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ክኢላ ምግራብን ዕቃበ እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ሮቤል...
ቤት-ጽሕፈት ሕግን ስርዓትን ከተማ ጊንዳዕ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ኣብ ትካላት ንግዲ ብዝገበሮ ተፍትሽ ዝረኸቦ ናይ ተጠቃምነት ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣቃጺሉ። እቲ ቤት-ጽሕፈት ኣብ 260 ትካላት ንግዲ ብዘካየዶ ናይ ምቁጽጻር...
ኣብ ባጽዕ፡ ባሕቲ ግንቦት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር፡ ብ29 ሚያዝያ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት እምኩሉ፡ ልምዓታዊ ወፈራ ተኻዪዱ። እቲ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ዝተሳተፍዎ ስራሕ፡ ምጽጋን መናድቕ፡...