Author - Messi Samuel

ተጋዳላይ ኣስገዶም ወልደማርያም ተሰዊኡ

ኣባል ኩባንያ ብድሆ ሓፈሻዊ ህንጸት – ገዲም ተጋዳላይ ኣስገዶም ወልደማርያም ገብረወልዲ፡ ብ7 ግንቦት ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድመኡ ብሃንደበታዊ ሕማም ተሰዊኡ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1974 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ...

ሚ/ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ 206 ኣለይቲ ስድራ ብሞያ ኣሰልጢኑ

ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ ኣስመራ – ንኡስ ዞባ ኣኽሪያ ኣብ ዝርከብ ‘ማእከል ስልጠና ደብዓት’ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለየ ሞያታት ዘሰልጠኖም 206 ኣለይቲ ስድራ፡ ብ6 ግንቦት ኣመሪቑ። ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ማእከልን ሚኒስትሪ ዕዮን...

ጋሽ-ባርካ – ዘመናዊ መሳርሒታት ሕክምና ተኣታትዩ

ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ትካላት ጥዕና ዘመናዊ መሳርሒታት ዓጢቐን ዝህባኦ ኣገልግሎት ንምምዕባልን ንምስፋሕን ክገብሮ ብዝጸንሐ ወፍሪ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣድማዒ ውጽኢት ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ናይ’ቲ ዞባ ዶ/ር ሓየሎም ኪዳነ ሓቢሩ። ኣብ...

ሃ.ማ.ኣ.ም.ስ.ኤ፡ ን2,265 ስድራ-ቤታት ዓይነታዊ ሓገዝ ገይሩ

ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንኩላን ኤርትራ (ሃ.ማ.ኣ.ም.ስ.ኤ)፡ ስንኩላን ቈልዑ ንዝኣልያ 2,265 ስድራ-ቤታት፡ 1.3 ሚልዮን ናቕፋ ዝዋጋኡ ዓይነታዊ ሓገዝ ገይሩ። ኣብ’ቲ ማሕበር ሓላፊት ውዳበን ምክትታል ዞባታትን ወ/ሮ ይብራኣለም የዕብዮ፡ እቲ...

ዓድ-ዑመር – መበቈላውያን ኣግራብ ግቡእ ሓለዋ ተገይሩሎም

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ዑመር፡ መበቈላውያን ኣግራብ ንምዕቃብ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ተረኺብዎ። ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ መሓመድ መሓመድ-ኢብራሂም፡ ብህዝቢ ዝተመርጹ ሓለዋ ኣግራብን በብእዋኑ ዝካየድ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ደፋኢ ተራ...

ዓሰብ – ኣብ መስመራት ኤለክትሪክ ምትዕርራይ ይግበር ኣሎ

ምምሕዳር ከተማ ዓሰብ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ ዝጸንሐ ናይ ጐደና መብራህትን መስመራትን የተዓራርን ብሓድሽ ይትክእን ኣሎ። ኣብ’ቲ ምምሕዳር ግዝያዊ ሓላፊ ትሕተቅርጺ ኢንጅነር ሳሙኤል ዘርኣብሩኽ፡ መሬት ናይ’ቲ ከባቢ ጨዋም ብምዃኑ፡ ዓንድታት ቀልጢፉ ክምርት፡...

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ተዘራሪቡ

ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ጁባ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ማያርዲት ንጸጥታዊ ጉዳያት –...

ተሰነይ – ሞት ኣደን ህጻንን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ

ማእከል ጥዕና ከተማ ተሰነይ ብእተካይዶ ዘላ ጻዕሪ፡ ሞት ኣደን ህጻንን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ፡ ሓላፊ’ታ ማእከል ጥዕና ኣቶ በርሀ ሓድጉ ሓቢሩ። እታ ማእከል ኣብ ርእሲ’ቲ እትህቦ ልሙድ ሕክምናዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ምክትታል ጥዕና ትሕቲ 5 ዓመት ህጻናት፡...

ዓረዛ – 21 ንፉዓት ተመሃሮ ተሸሊሞም

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ዘመዝገቡ 5 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 21 ተመሃሮ፡ ዞባዊ ሽልማት ‘ዒንደማሶ’ ተዓዲሎም። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ ኣስመሮም እስቲፋኖስ፡ ኣብ...

ማእከል – ነበርቲ ምም/ከባቢ ዓዲ-ንፋስ፡ ሓመድን ማይን ናይ ምዕቃብ ስራሓት የካይዱ

ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ኣኽርያ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ንፋስ ካብ 26 ሚያዝያ ጀሚሮም ንክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታት የሰላስሉ ኣለዉ። ወኪል ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ፡ ኣቶ ሽደን ፍጽሓጽዮን፡...

Login

Categories