ወለዲ፡ ተመሃሮ ደቆም ካብ ዘይስነምግባራዊ ተግባራትን ገበናትን ርሒቖም ብሉጻትን ኣፍረይትን ንክኾኑ፡ ኣብ ምክትታሎምን ምምእዛኖምን ዝገብርዎ ኣበርክቶ ከዕዝዙ፡ ግዝያዊ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ማእከል ኣዘኻኺሩ። ሌተና ኮሎኔል ግርማይ ገብረሚካኤል፡ ብ10 ግንቦት ምስ ወለዲ፡...
ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ደምበሰንበል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 4 ምሉእ ነጥቢ ንዘምጽኡ 133 ተመሃሮ – ኣባላት 33ን 34ን ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሸሊማ። ብ7 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ...
ታሪኹ ባዕሉ ዘይጽሕፍ – ወናኒ ታሪኹ ክኸውን ስለዘይክእል፡ መንእሰያት ኣትኲሮኦም ኣብ ምስናድን ምጽሓፍን ሓቀኛ ፍጻሜታት ከዕዝዙ፡ ደራስን ተመራማሪ ታሪኽን ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣገንዚቡ። ብ6 ግንቦት ንመንእሰያት ሰራሕተኛታት ዞባ ደቡብ – ኣብ...
ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተወከሉ ልዕሊ 100 መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዋዕላ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ብ30 ሚያዝያ ተቓኒዑ። ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ ካሕሳይ ተወልደ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርን ተራ መንእሰያትን መብርሂ ብምሃብ፡ መንእሰይ ወለዶ...
ሚኒስትሪ ሕርሻን በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብምኽንያት 15 ግንቦት – ‘ሃገራዊ መዓልቲ ሓምላይ ወፍሪ’፡ ህዝብን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን፡ ኣብ ንጥፈታት ምግራብን ምዕቃብ ሓመድን ማይን ፍሉይ ኣትኲሮ ገይሮም ክሰርሑ ጸዊዖም። በዚ መሰረት...
ኣብ ናይ ትማሊ ሕታም፡ ኣብ ዜና ዕረፍቲ ተጋዳላይ ኣስገዶም ወልደማርያም፡ ኣብ
1974 ዓ.ም. “ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ” ተባሂሉ ዘሎ፡ “ኣብ ተጋድሎ ሓርነት
ኤርትራ ተሰሊፉ” ተባሂሉ ክእረም ምስናይ ይቕረታ ንሕብር።
ኩባንያ ብደሆ ሓፈሻዊ ህንጸት
ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ 9 ግንቦት ኣብ ከተማ እንጃሜና፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ወተሃደራዊ ባይቶ ጫድ – ጀነራል መሃመት...
ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ሓደ ዜጋ ካብ ዓረዛ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,738 በጺሑ ኣሎ። እዚኣቶም፡ 9,631 ሓውዮም...
ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብ7 ግንቦት ንኤርትራውያን ነበርቲ ጁባን ከባቢኣን ሰሚናር ኣካዪዱ። ኣቶ የማነ፡ “ኣበይ ኣለና፣ ናበይከ ንኸይድ ኣለና?” ዝብል ዛዕባ ብምልዓል ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መግለጺ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ...
ማሕበር ኣፍረይቲ ንህቢ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብ5 ግንቦት – ሳልሳይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ብመሰረት ቅዋም ማሕበር፡ እቲ ጉባኤ ዓመት-ዓመት እኳ ክካየድ እንተነበሮ፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተደናጒዩ ከምዝጸንሐ፡ ጸሓፊ ማሕበር ኣቶ ንኣምን ባህልቢ...