ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን በጃ ንዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ንምዝካር፡ ብ19 ሰነ ኣብ ከተማ ኣስመራ – ደብረ ሳህለ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል – ጸሎተ ፍትሓት፣ ኣብ መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ድማ ደርስን ዱዓን ተኻዪዱ።

ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ዝተኻየደ ብርክት ዝበሉ መእመናን ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት፡ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ከምኡ’ውን ሊቃውንትን ካልኦት ምእመናንን ጸሎት ኣብጺሖም።

ሓላፊ ክፍሊ ስብከት ወንጌል መንበረ ፓትሪያርክ መሪጌታ ስምኦን በየነ ኣብ ዘስመዕዎ – ንርዝነትን ትርጉምን ሰማእትነት ዝምልከት ስብከት፡ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ – ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ነታ ብዋጋ ዘይትትመንን ብገንዘብ ዘይትዕደግን ህይወትካ በጃ ምሕላፍ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ዕለተ ሰማእታት – ፍቕሪ ሰማእታትና እንዝክረሉን ሕድሮም እነጽንዓሉን ቅዱስ ዕለት ከምዝዀነ ኣረዲኦም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ካብ ሰዓት 4፡30 ኣብ መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ መደብ፡ ብሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ዝተመርሐ፡ ሰላትን ዱዓን ተኻዪዱ።

ሼኽ ሳልም ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ኣብ ታሪኽ ሰማእታት ኤርትራ፡ ብጻይነት፡ ጽንዓትን ምትሕልላይን ዝብል ክብሪታት ጐሊሑ ከምዝርአ ብምጥቃስ፡ ገና ዘይተበርበረ ረዚን ታሪኾም ኩሉ ክፈልጦን ወለዶታት ክስዕብዎን ምእንቲ፡ ጻዕሪ ምክያድ ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።

ሙፍቲ ኤርትራ ኣስዒቦም፡ ንስድራ ሰማእታት ዝግበር ሓገዝ፡ ወለንታውን ወፈያን ዘይኰነ፡ ኣብ ዝባን ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዘሎ ዕዳ ምዃኑ ኣሚንና፡ ዓቕሚ ዝፈቕዶ ገንዘባዊ ይኹን ዓይነታዊ ደገፍ ምግባር ዜግነታዊ ግዴታ ከምዝዀነ ኣተሓሳሲቦም።

Categories