መራሕቲ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ክሮኤሻን ኩወይትን፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽትታት ሰዲዶም።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ፣ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ክሮኤሻ ዞራን ሚላኖቪች፡ ከምኡ’ውን ወራስ ዓራት ሃገረ ኩወይት ምሽዓል ኣልኣሕመድ ኣልጃብር ኣልሳባሕ ኣብ መልእኽትታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕናን ናይ ስራሕ ኣሳልጦን፣ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ራህዋን ሰላምን ተመንዮም።

እቶም መራሕቲ፡ ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ዘለወን ኩሉ-መዳያዊ ዝምድናታት ንምምዕባልን ሽርክነታዊ ምድግጋፍ ንምዕዛዝን ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ኤርዶጋን ብተወሳኺ፡ ዝምድና ቱርኪን ኤርትራን ብሓባራዊ ጻዕሪ ኣብ ኩሉ መዳያት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከምዝምዕብል ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ብወገኑ፡ ሕውነታዊ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ንክልቲኡ ህዝብታትን ኣህዛብ ኣህጉርና ኣፍሪቃን ብዘርብሕ – ብዝበለጸ ንምምዕባሉ ዘሎ ድሌትን ድልውነትን ገሊጹ።

Categories