ምምሕዳር ከተማ ዓሰብ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኰይኑ ዝጸንሐ ናይ ጐደና መብራህትን መስመራትን የተዓራርን ብሓድሽ ይትክእን ኣሎ።
ኣብ’ቲ ምምሕዳር ግዝያዊ ሓላፊ ትሕተቅርጺ ኢንጅነር ሳሙኤል ዘርኣብሩኽ፡ መሬት ናይ’ቲ ከባቢ ጨዋም ብምዃኑ፡ ዓንድታት ቀልጢፉ ክምርት፡ ብሰንኩ ድማ ይወድቕን ኣገልግሎት የቋርጽን ብምንብሩ፡ ቀጻሊ ናይ ምትዕርራይ ስርሓት ክካየደሉ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ናይ ጐደና መብራህቲ ኣብ ዘይነበሮን ኣገልግሎት ኣቋሪጹ ኣብ ዝጸንሐን መስመራት፡ ልዕሊ 60 ሓድሽ ፓሎታት ከምእተተኽለ፡ ኣምፑላት ከምእተቐየረን ናይ መስመር ምትዕርራይ ከምእተገብረን ገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ፡ ግርማ ከተማ ዝዀኑ መካበብያታት ናይ ምትዕርራይን ምምልኻዕን ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኢንጅነር ሳሙኤል፡ ህዝቢ ኣብ ከከባቢኡ ዝርከብ ናይ ጐደና መብራህትን መካበብያታትን ብግቡእ ክከታተልን ክከናኸንን ኣዘኻኺሩ።