ቤት-ጽሕፈት ሕግን ስርዓትን ከተማ ጊንዳዕ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ኣብ ትካላት ንግዲ ብዝገበሮ ተፍትሽ ዝረኸቦ ናይ ተጠቃምነት ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣቃጺሉ።
እቲ ቤት-ጽሕፈት ኣብ 260 ትካላት ንግዲ ብዘካየዶ ናይ ምቁጽጻር ስራሕ ዝረኸቦ ዕለቱ ዘሕለፈ ንብረት፡ ጸባ፡ ሳልሳ፡ ጥሕንያ፡ ልስሉስ መስተ፡ ማስቲካ፡ ከምኡ’ውን ናይ ሰብን ጥሪትን መድሃኒት ዘጠቓለለ እዩ።
ናይ ተጠቃምነት ዕለቱ ዝወደቐ ሃለኽቲ ምሻጥን ምሓዝን ብሕጊ ከምዘሕትት ዝሓበረ ሓላፊ ሕጊን ስርዓትን ከተማ ጊንዳዕ፡ ኣቶ መሓመድኣማን ስዒድ፡ ነቲ ንብረት ሒዘን ዝተረኽባ ንግዳዊ ትካላት፡ ምስ ከቢድ መጠንቀቕታ ብገንዘብ ከምእተቐጽዓ ገሊጹ።
ወነንቲ ትካላት ንግዲ፡ ሳዕቤናት ናይ’ዚ ጉዳይ ተገንዚቦም፡ ኣብ ንጥፈታቶም ጥንቃቐ ክገብሩ ዘዘኻኸረ ኣቶ መሓመድኣማን፡ እቲ ቤት-ጽሕፈት ብዝገብሮ ቀጻሊ ምክትታል፡ ክሳብ ምዕሻግን ምስራዝ ፍቓድ ንግድን ዝኸይድ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ መንእሰይ ዳዊት ኪዳነ በቲ ኣጋጣሚ፡ ግዜኡ ዘሕለፈ ሃለኽቲ፡ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ሳዕቤናት ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ወነንቲ ትካላት ካብ ምሻጡ ክቑጠቡ፣ ተገልገልቲ እውን ዕለቱ ኣረጋጊጾም ክዕድጉ ተላብዩ።