ኣብ ባጽዕ፡ ባሕቲ ግንቦት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር፡ ብ29 ሚያዝያ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት እምኩሉ፡ ልምዓታዊ ወፈራ ተኻዪዱ።
እቲ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲ ዝተሳተፍዎ ስራሕ፡ ምጽጋን መናድቕ፡ ኣግራብ ምዂስኳስን ማይ ምስታይን፡ ከምኡ’ውን ካልእ በበይኑ ንጥፈታት ዘጠቓለለ ነይሩ።
ተሳተፍቲ፡ እታ ዕለት ዓመትመጽአ ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት ከም እትዝከር ብምሕባር፡ ናይ ሎም-ዓመት ዝኽሪ፡ ኣብ መቓብር ናይ’ቶም በጃ ሃገርን ህዝብን ክብርቲ ህይወቶም ዝበጀዉ ጀጋኑ ሰማእታት ምክያዱ፡ ሓበን ከም እተሰመዖም ገሊጾም።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሃኮሰኤ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሃብተማርያም ተስፋሚካኤል፡ ኩሉ ሰራሕተኛ ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበር ንምጥርናፍን ንምውዳብን፡ ኣተባባዒ ተበግሶታት ይውሰድ ከምዘሎ ሓቢሩ።