ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኤርትራ፡ “ትካላዊ ውህደት ኮም ንዝሰረቱ ንጥፈታት ልግሲ ደም’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ29 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ዓውደ- ዘተ ኣካዪዱ።
ኣብ’ቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣደ-መንበር ማሕበር ወ/ሮ ኣለም በርሀ፡ ነቶም ኣብ ሆስፒታላት – ደም ዝጽበዩ ወገናት ውሑስን እኹሉን ደም ንምቕራብ፡ መረዳእታ ሕብረተሰብ ምዕባይ ኣገዳሲ ከምዝዀነ ብምዝኽኻር፡ እቲ ዕላማ ድማ – ኮም ዝሰረቱ ወለንታዊ ልግሲ ደም ኣብ ሕብረተሰብ ንምስራጽ ምዃኑ ሓቢራ።
ዳይረክተር ሃገራዊ ባንክ ደም ዶ/ር ዮውሃንስ ተኸስተ ብወገኑ፡ ኣብ 2017 ክእከብ ካብ ዝተወጠነ ደም እቲ 74 ሚእታዊት ጥራይ ከምእተኣከበ፡ ኣብ 2021 ግን እቲ መጠን ብ16 ሚእታዊት ዓብዩ 90 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ – ውጽኢት ናይ’ቲ ሃገራዊ ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሃሂዱ ዘካየዶ ጐስጓሳት ከምዝዀነ ገሊጹ።
ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበ መግለጺታት ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ትካላት ንመደባት ልግሲ ደም ኣብ ዓመታዊ መደባተን ሰሪዐን ክሰርሓሉ፣ ውዳቤታት ማሕበር ክሳብ ምምሕዳር ከባቢ ክወርድ፣ ልግሲ ደም ከም ባህሊ ኣብ ሕብረተሰብ ክሰርጽ ምእንቲ፡ ቀጻሊ ጐስጓሳት ክካየድ፣ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ማሕበር ንምድንፋዕ ክስራሕን ምትሕብባር ክግበረሉን ዝብሉ ለበዋታት ኣመሓላሊፎም።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ባሕቲ ግንቦት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር፡ ካብ 26 ክሳብ 29 ሚያዝያ ቅነ ልግሲ ደም ተኻዪዱ።
ኣብ ትሕቲ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ ናይ ዝጥርነፋ ትካላት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝተሳተፍዎ ናይ ልግሲ መደብ፡ 200 ከረጺት ደም ተለጊሱ።