ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ሓደስቲ ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን፡ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ኣስተምህሮ ተዋሂቡዎም።

እቲ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ኣምራት ምሕደራ፡ ኣተሓሕዛ ሰነዳትን ትግባረ ዝውጠኑ መደባትን ዘተኰረ እዩ።

ኣብ’ቲ ነባራት ኣመሓደርቲ እውን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ፡ ነቶም ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ህዝቦም ዝጸንሑ ኣመሓደርትን ኣነባበርትን ስለ’ቲ ውፉይ ኣበርክቶኦም ድሕሪ ምምስጋን፡ ብዘለዎም ውህሉል ተመኵሮ ምስ’ቶም ሓደስቲ ብምትሕብባር፡ ኣብ ዓወት ኩሉ-መዳያዊ መደባት ልምዓት ክነጥፉ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣሚኑ ንዝመረጾም ህዝቢ ብቕንዕና ከገልግሉ ዘለዎም ድልውነት ብምርግጋጽ፡ ውዳበታት መንእሰያት ብምሕያል ኣብ ሓለዋ ኣግራብ ዕቱብ ምክትታል ክግበር – ቀንዲ ኣተኵሮ ሂቦም ካብ ዝሰርሑሉ ከምዝዀነ ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓለዋ ሕሩም ሕዛእቲ ክሕይል፣ ተሳትፎ ኣብ መደባት ምጥፋእ መሃይምነት ክዓዝዝ፣ ትግባረ መደባት ጽሬት ከባቢ ንምውሓስ ብዕቱብ ክስራሕ ዝብሉ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

Categories