ማሕበር ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብ15 ሚያዝያ 3ይ ጉባኤ ኣቃኒዑ።
ጸሓፊ ማሕበር ኣቶ መድሃኔ ዮውሃንስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ጉባኤ ብሰንኪ ቅጥዕታት ምክልኻልን ምቊጽጻርን ኮሮና ቫይረስ ብሰለስተ ዓመት ከምእተደናጐየ ብምጥቃስ፡ ብማሕበር ደረጃ ዓመታዊ ኣስታት 400 ሽሕ ሊትሮ ጸባ ናብ ትካላትን ህዝብን ከከፋፍሉ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።
ቀረብ መግቢ ጥሪት ብዝምልከት፡ ኣቶ መድሃኔ፡ ኣቐዲሞም ናይ ፋብሪካ ቢራ ኣስመራ ግለት ክጥቀሙ ከምዝጸንሑ፣ ካብ’ዚ ቀረባ እዋን ንደሓር ግን ብኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ስለዝተማእከሉ፡ ፍሩስካ ብርትዓዊ ዋጋ ክረኽቡ ባይታ ከምእተፈጥረሎም ሓቢሩ።
ተሳተፍቲ ኣብ መወዳእታ፡ መኽዘን መዐደሊ ጸባ፡ ቤት-ጽሕፈትን ቤተፈተነን ካብ ቀንዲ ማሕንቖታት ማሕበር ምዃኖም ኣመልኪቶም።
ንኽልተ ዓመት እተገልግሎም ኣካያዲት ኣካል ድማ መሪጾም።
ኣብ 2012 ዝቘመ ማሕበር ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣብ ደንጎሎ፡ ነፋሲትን ጊንዳዕን ዝነብሩን 238 ናይ ጸባ ከብቲ ዝውንኑን 38 ኣባላት ኣለውዎ።
ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ – ኣብ ከተማ ጊንዳዕ፡ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝሰርሓ ኣሳሰይቲ፡ ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ተዋሂቡወን።
ነቲ ኣስተምህሮ ዝወደበ ቤት-ጽሕፈት ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ኣገልግሎት – ኣብ ቦታ ስራሕ ንድሕነት ቀዳምነት ክህባ ብምዝኽኻር፡ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ከም ኤች.ኣይ.ቪን ኤይድስን ዝኣመሰሉ ቀዘፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ጥንቃቐ ክገብራ ኣዘኻኺሩ።