ሃማደኤ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ 6 ንኡሳን ዞባታት ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካየድቲ ስራሕን ኰይነን ንዝተመርጻ 46 ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ ስርሐንን ጉዕዞ ሂወተንን ዝሕግዘን ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ብ13ን 14ን ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ዝተዋህበ ስልጠና፡ ኣብ ውጽኢት ዘድሃበ ኣገባብ ምሕደራ፣ ኣፈታትሓ ግርጭት፣ ኣተዓቓቕባ ሰነዳት፣ ምሕደራ ግዜን ካልእ ኣርእስትታትን ዘጠቓላለ ኰይኑ፡ ኣብ ደረጃ መሪሕነት ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ኣፍልጦአንን ብቕዓተንን ንምድራዕ ዝዓለመ ምዃኑ፡ ነቲ ትምህርቲ ዝሃቡ ሞያውያን ገሊጾም።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ደቡብ ወ/ሮ ሰናይት ኣፈወርቂ፡ ቁጽሪ ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ብ10 ሚእታዊት ምብራኹ፡ መርኣያ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብን ብቕዓት ደቂ-ኣንስትዮን ምዃኑ ብምሕባር፡ ንዝመረጸን ህዝቢ ብቑዕን ጽፉፍን ኣገልግሎት ንምሃብ ብትግሃት ክሰርሓ ኣዘኻኺራ።

ጸሓፊት ህግደፍ ኣብ ዞባ ደቡብ ወ/ሮ ኣመተ ንጉሰ እውን፡ እቲ ስልጠና ንነባራት ተወሳኺ ፍልጠትን ተመኲሮን፣ ነተን ሓደስቲ ድማ ጽቡቕ መበገሲ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ኣማእዘንትን ጸለውትን ንምዃን ክጽዕራ ተላብያ።

ኣብ ከተማ ደቀምሓረ እውን ን45 ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን ደቂ-ኣንስትዮ ተመሳሳሊ ስልጠና ከምእተዋህበ ተሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ኳዓቲት – ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ 101 መንእሰያት ብሞያ ሰልጢኖም።

እቲ ትምህርቲ ካብ 1 ክሳብ 6 ኣዋርሕ ዝወሰደ ኮይኑ፡ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፡ ትልሂትን ካልእን ከምዘጠቓልል፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories