ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ኣብ ምድንፋዕ ሕርሻዊ እቶትን ምርጋእ ኣከባብን ዘተኰረ ወፈራዊ ልምዓታዊ መደባት ይሰላሰል ኣሎ።

እቲ ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሓልሓልን ምምሕዳር ከባቢ መለብሶን ዝዕመም ዘሎ መደባት፡ መሬት ሕርሻ ኣብ ምምድማድን ሓመድን ማይን ኣብ ምዕቃብን ዘተኰረ እዩ።

ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሓልሓል፡ መለብሶ፡ ማይ-ኣዋልድ፡ ረሀይ፡ ቀርጸት፡ እንረኩበትን ገበይኣለቡን፡ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ 2022 ኣትሒዞም ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ እናወፈሩ ውጽኢታዊ ስራሕ ይዓሙ ከምዘለዉ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ ኣቶ ኢብራሂም ሓምድ ገሊጹ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ፡ ዛጊት ልዕሊ 34 ሄክታር መሬት ከምእተፈወሰ ሓቢሩ።

ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ሓልሓል ብወገኖም፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ እናወፈሩ፡ ናይ ሓመድ ጽርግያታት ይጽግኑን ብውሕጅ ዝተሃስየ ከባቢታት ይፍውሱን ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories