ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ሓጋዝን፡ ናይ ሓመድ ጽርግያታት ብህዝባዊ ወፈራታት ይጽገን ኣሎ።

ናይ ሓመድ ጽርግያ ዓዲ-ቐይሕ – ሕረት፡ ህዝቢ ምምሕዳር ከባቢ ማእለውያ ኣብ ዝወደቦ ወፈራ፡ ካብ ዓዲ-ቐይሕ ንሸነኽ ምዕራብ ኣስታት 5 ኪሎ-ሜተር ርሒቐን ዝርከባ ዓድታት ማእለውያ፡ እምባ-ጭላይ፡ ተገረን፡ ዝባን-ዝግብን እምበይቶን ይሳተፋ ኣለዋ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ማእለውያ ኣቶ ኣድሓኖም ሓጐስ፡ እቲ ዕላማ፡ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣሸጋሪ ኰይኑ ዝጸንሐ መስመር ንምትዕርራይ ምዃኑን፡ እቲ ስራሕ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎን ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ብተመሳሳሊ፡ ካብ ከርመድ ክሳብ ደምበ-ዘራጼን 8 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ይጽገንን ይገፍሕን ኣሎ።

ኣብ’ቲ ወፈራ፡ ነበርቲ ዓድታት ዓድ-ዑመር፡ ደምበ-ዘራጼን፡ ደምበ ዓዲ-ጸጋይ፡ ጉልድሚትን ደምበ ዓዲ-ተስፉን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቲ መደብ፡ ናብ ሓጋዝን ከረንን ንዘሎ ጸገም መጓዓዝያ ፍታሕ ንምርካብ ምዃኑ፡ ካብ ምምሕዳር’ቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

Categories