ሓረስቶት፡ እቶትን እቶታውነትን ንምዕባይ ኣብ ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ባህርያዊ ድዂዕን ውሕሉል ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕን ከዘውትሩ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል ክኢላ ልምዓት ኣትክልቲ ኣቶ ዮናስ ገብሩ መኺሩ።
ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ 2020/2021 ኣብ ግራውቶም ባህርያዊ ድዂዒ – ኮምፖስትን ውሕሉል ኣጠቓቕማ ጸረ-ባልዕን ዘዘውተሩ ሓረስቶት፡ እቶቶም ብልዕሊ ዕጽፊ ከምዝዓበየ ዝሓበረ ኣቶ ዮናስ፡ እዚ ኣገባብ እዚ ብሰፊሑ ክድፋኣሉ ተላብዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ‘ኮምፖስት’ ማእከል ዝገበረ ስልጠና ምሕደራ ተኽሊ – ንልዕሊ 70 ክኢላታት ሕርሻን 300 ሓረስቶትን ከምእተዋሃበ፡ እዚ ከኣ ኣብ ድንፋዐ ፍርያት ኣዝርእትን ኣሕምልቲን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ ገሊጹ።
ሓረስቶት፡ ዘርኢ ናይ ምቅይያርን ብመስመር ናይ ምሕራስን ኣገባባት ከዘውትሩ እውን ኣዘኻኺሩ።
ኣቶ ዮናስ፡ ሓረስቶት ብሓፈሻኡ – ካብ ተጠቃምነት ሰብ-ሰርሖ ከሚካላዊ ድዂዕን ጸረ-ባልዕን ክቚጠቡ ኣተሓሳሲቡ።