ኣብ ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ንጥፈታት ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት ድሒሩ’ኳ እንተጀመረ፡ ሳላ ውሁድ ጻዕሪ ምምሕዳር፡ ወከልቲ ህዝብን ትካላት ጥዕናን ጽቡቕ ገስጋስ ከምዘመዝገበ ተሓቢሩ።
ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ ክኢላ ከባቢያዊ ጥዕና ኣቶ ተኽሎም የዕብዮ፡ እቲ ንኡስ ዞባ – ምስ ዘለዎ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን ዓይነት መነባብሮ ሕብረተሰብን፡ ትግባረ ኮም ዝመርሖ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ብዙሕ ብድሆታት’ኳ እንተለዎ፡ ብዝተኻየደ ጐስጓስ መረዳእታ ሕብረተሰብ ብምዕባዩ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ክትግበር ከምእተኻእለ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰልዓ ኣቶ ውኤላ መሓመድ-ዓሊ ብወገኑ፡ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ልዑል ኣስተዋጽኦ ስለዘለዎ፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ነቲ መደብ ንምዕዋት ሰፊሕ ናይ ምንቕቓሕ መደብ ከምዘተግበረ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ መደብ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ርከብ፡ ሕሩም፡ ዴባሳታ፡ ሓምበክታ፡ ግርግርገርሲ፡ ባድንልጊተ፡ መርበባዬብ፡ ጣሕራን ሸርኢትን ብምልኣት ከምእተተግበረ ኣብሪሁ።
ነበርቲ ብወገኖም፡ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ውጽኢት ዝተኻየደ ጎስጓስን ዝተዋህበ ኣስተምህሮታትን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ቀጻልነቱ ንኽወሓስ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕ ክቕጽል ተላብዮም።