ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ሓምበክታ – ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ኣብ ማእከላይ ቦታ ምጥርናፎም፡ ርጉእ መነባብሮ ክመርሑን መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ከምዝሓገዞም ገሊጾም።

ሰበኽ-ሳግማዊ ሂወት ኣብ ዝመርሑሉ ዝነበሩ እዋን ብዙሕ ጸገማት ከምዝነበሮም ዝሓበሩ’ቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ካብ 2017 ግን ስለዝተጠርነፉ፡ ድሮ ኣገልግሎት ትምህርቲ ከምዝረኸቡን ፕሮጀክት ዝስተ ማይ ኣብ መስርሕ ከምዘሎን ኣረዲኦም።

ንዝተዋደደትሎም ናይ መባእታ ቤትትምህርቲ ብግቡእ ይጥቀሙላ ከምዘለዉ ጠቒሶም ድማ፡ ዝነብሩሉ ከባቢ ካብ ማእከል ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ዘለዎ ርሕቀት ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ናብ ማእከላይ ደረጃ እትዓብየሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ከምኡ’ውን ተሪፉ ዘሎ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክማላኣሎም ሓቲቶም። ምምሕዳር ከባቢ ሓምበክታ፡ ካብ ማእከል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰልዓ ዝዀነት ርከብ፡ ኣስታት 161 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቓ ትርከብ።

Categories