ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ፡ ማሕበረ-ቚጠባዊ ጸገማት ዘለዎም መንእሰያት፡ ሞያ ሰኒቖምን ዓቕሞም ኣማዕቢሎምን ኣብ ከባቢኦም ኣርኣያ ጻዕሪን ለውጥን ንክዀኑ ብዝወጠኖ መደብ፡ ኣብ 2021 ኣስታት 3 ሽሕ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 4 ሽሕን 800 መንእሰያት ብሞያ ከምዘሰልጠነ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ማሕበር ሓላፊት ምክትታል ዞባታት ወ/ሮ ሄለን ኣሚነ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቶም ዝሰልጠኑ መንእሰያት ብምምሕዳራት ዝተለለዩ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ዝተዋህቦም ስልጠናታት፣ ምርባሕ ንህብን ደርሁ፡ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፡ ስርሓት ካይላ፡ ኤለክትሮኒክን፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ጽገና መስመራት ማይ፡ ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተር፡ ከምኡ’ውን ምስኣልን ኣርትዖትን ቪድዮ ከምዘጠቓልል ሓቢራ።

ዓቕሚ ኣብ መንግስታውያን ትካላት ዝርከቡ መንእሰያት ንምዕባይ፡ ብምውህሃድ ምስ ሃገራውያን ማሕበራት ሃኮሰኤን ሃማደኤን ብዝተወደበ ናይ ስልጠና መደብ ድማ፡ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣብ ዓውድታት ሙዚቃ፡ ትልሂት፡ ድራማ፡ ስርዓተ ድምጺ፡ ጽገና ኮምፕዩተር፡ ቋንቋ ዓረብ፡ ቴክኖሎጂ ኮምፕዩተርን ካልእን ዘተኰረ ስልጠናታት ከምእተዋህበ ኣብሪሃ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኮለጃት ዝርከቡ መንእሰያት ኣበርክቶኦም ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘዕዝዙሉ መደባትን ሞያዊ ስልጠናታትን ከምዝካየድ ዝገለጸት ወ/ሮ ሄለን፡ ምስ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ብምውህሃድ፡ ኣፍልጦን ንቕሓትን ዜጋታት ኣብ ምምካት ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ንምብራኽ ኣብ ኩለን ዞባታት ውጽኢታዊ ጐስጓሳት ከምእተሰላሰለ ኣፍሊጣ።

ኣብ መወዳእታ ወ/ሮ ሄለን፡ መንእሰያት ተራሕዮም ንዘለዉ ዕድላት ብግቡእ ተጠቒሞም፡ ዘጋጥሙ ብድሆታት ንምስጋር ንቑሓት ክኾኑ ብምዝኽኻር፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ብዝተወሃሃደን መንገዲ፡ ኣብ መንእሰያት እቲ ዝግባእ ወፍሪ ከካይድ ተላብያ።

Categories