ብጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተወደበ፡ ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ኣሰራርሓ ሰክዔት መግፈፊ ዓሳ ዝተሳተፋ 30 ደቂ-ኣንስተዮ፡ ብ30 መጋቢት ኣብ ዓሰብ ተመሪቐን።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ እቲ ጨንፈር መንእሰይ ሑሴን መዓውያ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ነብሰን ክኽእላን ኣፍረይቲ ክኾናን ብቐጻሊ ዝስራሓሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ፡ እቲ ብማሕበር ንዝነጥፋ 30 ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዋህበ ስልጠና ድማ ኣካል ናቱ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ዝዀነ ሞያ፡ ብቐጻሊ ስራሕን ጻዕሪን ከምዝምዕብል ዝሓበረ መንእሰይ ሑሴን፡ ሰልጠንቲ ቀሲመናኦ ዘለዋ ሞያ ብስራሕ ከዕምቛኦ ብምዝኽኻር፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኩሉ ግዜ ኣብ ጐድነን ብምዃን ከምዝተሓጋገዘን ኣረጋጊጹ።

ሓላፊት ሃማደኤ ኣብ’ቲ ዞባ ወ/ሮ ሳዕድያ ኢብራሂም፡ ሰልጠንቲ ኣበርቲዐን ብምስራሕ ህይወተን ክቕይራ ትጽቢት ከምዝግበረለን ኣዘኻኺራ።

Categories