መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ምሕራር ከተማ ናቕፋ፡ ብ23 መጋቢት ተጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ዝማዕረገ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ ናቕፋ ትእምርቲ ቃልሲ፡ ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ምዃና ብምዝኽኻር፡ ታሪኻ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት እናተሰጋገረ መመሊሱ ክዂላዕ ምእንቲ፡ ብግቡእ ክንገርን ክስነድን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ህዝቢ እውን፡ ዓንዲ-ሕቖ ሰውራኡ ብምዃን ኣበርክቶኡ ኣብ ምዕዋት ብረታዊ ቃልሲ ጒሉሕ ምንባሩ ዝጠቐሰ ኣቶ ያዕቆብ፡ እዚ ተወፋይነት እዚ ኣብ መደባት ልምዓትን መኸተን ብዝለዓለ ክድገም ተላብዩ።

እቲ ጽምብል፡ ብባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታትን ስፖርታዊ ውድድራትን ከምዝማዕረገ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ናቕፋ፡ ብ22 መጋቢት 1977 ሓንሳብ ሓራ ምስ ወጽአት፡ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘይኣተወት ታሪኻዊት ከተማ እያ።

Categories