ክፍሊ ሕጋጋትን ቁጽጽርን ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ድሕነት መግብን ብቕዓት ሕርሻዊ እቶትን ንምርግጋጽ፡ ዕቱብ ቁጽጽራዊ ስርሓት የሰላስል ከምዘሎ ገሊጹ።
ዋና ዳይረክተር ናይ’ቲ ክፍሊ ኣቶ ተኽለኣብ ምስግና፡ ብቕዓትን ድሕነትን መድሃኒታት ብቚልን እንስሳን፣ ኣዝርእቲን መግቢ እንስሳን፣ መድሃኒት ጸረ-ባልዕን ብቚልን፣ ኣጠቓቕማ ባህሪያዊ ሃብቲ፣ ድሕነትን ብቕዓትን እታውን ሰደድን ምስሩሓትን ዘይምስሩሓትን ዓይነታት መግቢ – ምርግጋጽ፡ ካብ ቀንዲ ስራሖም ምዃኑ ሓቢሩ።
መግቢ ብደቀቕቲ ታህዋስያን፡ ከሚካላትን ብኣካላዊ ምትንኻፍን ብቐሊሉ ስለዝብከል፡ ዕቱብ ምቊጽጻር ከምዘድልዮ ዝገለጸ ኣቶ ተኽለኣብ፡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ፡ ስድራቤትን ትካልን ጽሬት ምዝውታር፡ ኣብ ምርግጋጽ ጥዕና መግቢ ወሳኒ ከምዝዀነ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ዝርከባ 20 ኣፍረይቲ ጸባን ውጽኢት ጸባን ትካላት፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብዘካየዶ ጻዕሪን ምትብባዕን፡ ዝበዝሓ ተወዳዳሪ ትሕዝቶ ዘለዎ ፍርያት ብምቕራብ፡ ነቲ ካብ ደገ ዝኣቱ ዝነበረ ክትክኣ ከምዝበቕዓ ጠቒሱ ድማ፡ ውሑዳት ግን ብሰንኪ ዘይጽፉፍ ኣሰራርሓአን ደው ኢለን ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ዘድሊ ረቛሒታት ምስ ኣማልኣ ዳግም ከምዝጀመራ ገሊጹ።
ንድሕነት ብቚሊ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ብፍላይ ንኮሚደረ ብዝምልከት ኣቶ ተኽለኣብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብግጉይ ኣጠቓቕማ ጸረባልዕ መድሃኒት ዝተበከለ፡ ኣስታት 900 ኩንታል
ከምእተጓሓፈ ሓቢሩ።
ካብ 2013 ጀሚሩ ኣብ ዝኣተወ ከሚካላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሕርሻዊ መድሃኒት ብዝተኻየደ ቁጽጽራዊ ስርሓት እውን፡ ናይ ተጠቃምነት ግዜኡ ዝወደቐ ኣስታት 3000 ኩንታል ከምእተወገነ ኣረዲኡ።