ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ ካብ ባጽዕ ዝመጽአ ሓደ ዜጋ ብኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ተረጋጊጹ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 3 ዜጋታት፡ ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,720 በጺሑ ኣሎ።
9,616 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 103 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 1 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ዝርከብ እዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና – 11 መጋቢት 2022