ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ ብቕዓት ትምህርቲ ብምርግጋጽ ብኩልንትንኦም ብቑዓት ተመሃሮ ንምፍራይ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ተራ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኮሚተ ወለዲ፡ መማህራንን ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት መንግስትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ርክብ፡ ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ሱራፊኤል ክፍለገርግሽ፡ መጠን ምሕላፍ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር፡ ኣብ መባእታ 88 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 57 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 70 ሚእታዊት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ብዙሕ ስራሕ ይጽበዮም ከምዘሎ ኣገንዚቡ።
ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ብሓፈሻ ናብ 44 ሚእታዊት ክብ ከምዝበለ፣ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ሃገራዊ መርመራ ዘመዝግብዎ ዘለዉ ውጽኢት ድማ ኣተባባዒ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሱራፌኤል፡ ነዚ ውጽኢት’ዚ ብዝያዳ ንምሕያል፡ ተመሃሮ፡ መማህራንን ወለድን ብውህደት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ – ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ንምምዕባል ዝተኻየደ ስራሓት፡ ውጽኢት ከምዝሃበ ተሓቢሩ።
ኣብ ሆስፒታል ተሰነይ፡ ምስ ምትእትታው ሓድሽ መሳርሒታትን ምምዳብ እኹል ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን፡ ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ብምስፋሑ፡ ህዝቢ ዝተማልአ ኣገልግሎት ክረክብ ከምዝበቕዐ፡ ሓላፊት ሕክምና ስኒ ዶ/ር ደስታ ተስፋማርያም ገሊጻ።