ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ እቲ ንጥሪት ዝወሃብ ክታበት ጸረ-ዝተፈላለዩ ሕማማት ዕላማኡ ክወቅዕ፡ ወነንትን ጓሶትን ብግቡእ ከኽትብወን መዘኻኸሪ ቀሪቡ።
ኣብ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን – ወኪል ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ፍስሃ ኣብርሃም፡ ጥዕና ጥሪት ንምሕላው ብሕልፊ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ንደሓር ዕቱብ ጻዕሪ ከምእተኻየደ፡ ካብ ዶብ-ሰገር ለበዳዊ ሕማማት ናጻ ንምግባረን ዝተኻየደ ወፍሪታት ክታበት ድማ፡ ሓደ ካብኡ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ክታበት ጸረ-ፍሮማይ ንጤለ-በጊዕ ይወሃብ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ፍስሃ፡ እቲ መደብ ኣብ 11 ምምሕዳራት ከባቢ ክቕጽል ስለዝዀነ፡ ሓረስቶትን ጓሶትን ጥሪቶም ናብ’ቲ ዝቐረበ ነቚጣ ብምምጻእ ከኽትብወን ተላብዩ።
ሓኪም እንስሳ መንእሰይ መሓመድ መሓመድኑር እውን፡ ሕማም ፍሮማይ – ተላባዒ፡ ፍርያምነት ጥሪት ዘጉድልን ክሳብ ሞት ዘብጽሕን ሓደገኛ ሕማም ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ሓረስቶት ብዝቐልጠፈ ጥሪቶም ከኽትቡን ድሕነተን ክሕልዉን መኺሩ።
ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ልዕሊ 376 ሽሕ ጥሪት ከምዘለዋ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ይሕብር።