ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ጋሽ-ባርካ – ወፍሪ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ ተኻዪዱ ዑረት ንምቁጽጻርን ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራድን ብዘውጸኦ መደብ፡ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንዝርከቡ ንሕማማት ዓይኒ ዝተቓልዑ ዜጋታት ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ሂቡ።

እቲ ናብ ንኡሳን ዞባታት ጎልጅ፡ ፎርቶ-ሳዋን ከርከበትን ብምንቅስቓስ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ሓፈሻዊ ሕክምና ዓይኒን መብጣሕትን ዘጠቓለለ ምንባሩ ዝጠቐሰ – ሓላፊ ምቁጽጻር ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ ሃብቱ ጸጋይ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ንኡሳን ዞባታት ሓፈሻዊ መርመራታት ካብ ዝገበሩ ልዕሊ 15 ሽሕ ዜጋታት፡ እቶም 918 ፈኲስን ከቢድን መብጣሕቲ – 92 ካብኣቶም ናይ ክልተ ዓይኒ መብጣሕቲ ዝተገብረሎም ምዃኖም ገሊጹ።

ጠንቂ ዑረት ዝኾኑ ሕማማት ብምፍዋስ፡ መጠን ዑረት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራድ – ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ባረንቱ ክሳብ መብጣሕቲ ዘጠቓልል ኣገልግሎት ክወሃብ እንከሎ፣ ኣብ ተሰነይን ኣቑርደትን ድማ፡ ኣገልግሎት መሰረታዊ ክንክን ዓይኒ ከምዝወሃብ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃብቱ፡ ጐድኒጐኒ’ቲ ዝወሃብ ዘሎ ኣገልግሎት፡ ዜጋታት ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ጋሽባርካ ሓላፊ ኣሃዱ ሕክምና ዓይኒ ኣቶ ዮናስ ገብረታትዮስ እውን፡ ሓበላ ዓይኒ፡ ኩልመትን ትራኮማን ካብ’ቶም ገኒኖም ዝረኣዩ ንዑረት ዘቃልዑ ሕማማት ምዃኖም ሓቢሩ።

Categories