ክፍሊ ጽሩይ ዝስተ ማይን ረሳሕ ፈሳሲን ዞባ ማእከል፡ ጠለባት ከተማን ገጠርን ንምምላስ ጻዕርታቱ ቀጻሊ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ክፍሊ ምስ ፕሮጀክት ዓዲ-ሃሎ ብምውህሃድ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ዝነበረ ሕጽረት ማይ ንምፍታሕ፡ ኣብ 2018ን 2019ን ኣብ በረኽቲ ቦታታት 19 ዓበይቲ ኣጋንእ ከምዘዋደደ፣ ኣብ ምጽጋንን ምሕዳስን መትረባት ረሳሕ ፈሳሲ እውን ሓያሎ ስራሓት ከምዘሰላሰለ ገሊጹ።

ኣብ መጻረዪን መዐደሊ ነቑጣታትን ማይ-ነፍሒ፡ ቶኮር፡ ባሊኔኪ፡ ኤክስፖ፡ ሰምበልን ባሕቲ መስከረምን ዝጸንሐ ሕጽረት መጨንጒዒ ማይ ንምምላእ፡ 6 ጀነሬተራት ተተኺለን ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎት ከምዝርከባ፣ ኣብ 2020ን 2021ን ድማ ዝተዓብሰ መስመራት ጽሩይ ማይ ከምእተጸገነን ዝተበላሸወ መስመራት ብሓድሽ ከምእተተክአን፡ ኣብ’ቲ ክፍሊ ሓላፊ ጨንፈር ረሳሕ ፈሳሲ ጆሜትራ ዮውሃንስ ሙሉ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንነበርቲ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ልዕሊ 5.5 ሚልዮን ሜተር ክዩብ ማይ ብመስመር ከምእተዓደለ ዝጠቐሰ ጆሜትራ ዮውሃንስ፡ እቲ ዝዕደል ማይ ጽሬቱ ውሑስ ክኸውን፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መጻረዪ ነቚጣ ሓደስትን ዘመናውያንን ማሽናት ተተኺለን ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕን ምዕራብን ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕን ምዕራብን ኣስመራ፡ 1,174 ሜትሮ ሓድሽ መስመር ረሳሕ ፈሳሲ ከምእተዋደደን 4,700 ሜተር ከምእተጸገነን፣ ከምኡ’ውን 8 ፋኛቱራታት ብሓድሽ ከምእተተክአን
ልዕሊ 200 ከምእተጸገነን ከምእተጸርገን ኣብሪሁ።

ጆሜትራ ዮውሃንስ፡ 85 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ብመስመር ቡምባ፣ 15 ሚእታዊት ብቦጥ ይሰትዩ ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ምምሕዳራት ኣብ ዝዕደል ማይ ግቡእ ምክትታልን ምቊጽጻርን ክገብራ ጸዊዑ።

Categories