ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ ኩለን ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝተዋጽኡ 141 ተመሃሮ፡ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ተዋሂቡ።

እቲ ትምህርቲ፡ ሃገርን ሃገራውነትን፣ መንእሰያትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፣ ኣዕኑድ ሃገራዊ ቻርተር፣ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፣ ትርጉም ስነ-ሓሳብ፣ ኣምራት ፖለቲካ ፍልስፍናን ሃይማኖትን፣ ከምኡ’ውን ድሕረ-ባይታን ዕላማታትን ሃማመተኤ ዝብሉ ኣርእስቲታት ዝሓዘ እዩ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ማእከል ኣቶ ሳምሶን ክፍለ፡ እቲ ስልጠና – ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን መዳያት ንዝጸንሐ ኣፍልጦን ንቕሓትን ዘበርኽ ምዃኑ ገሊጹ።

ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ እውን፡ ካብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ንዝተዋጽኡ 100 ተመሃሮ ማእከላይ ደረጃ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣርእስቲ ናይ ሓደ ሰሙን ተመሳሳሊ ስልጠና ሂቡ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ደቡብ መንእሰይ ግርማይ ገብሩ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ምብራኽ ንቕሓትን ውዳቤን መንእሰያት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብዝለዓለ ክስራሓሉ መደብ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ እቲ ትምህርቲ፡ ሃገር እትሕበነሎም ብሉጻት መንእሰያት ንምዂስኳስ ሓጋዚ ምዃኑን፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ፍልጠት መዛኑኦም ብእወታ ንምጽላው ብተገዳስነት ክሰርሑሉን ኣዘኻኺሩ።

Categories