ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 7 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ 5 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ነፋሲት፡ ገዛባንዳ፡ ሰኒታን ዓዲ-ዃላን፣ ከምኡ’ውን 2 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታል ዞባ ማእከል ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 16 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,651 በጺሑ ኣሎ። 9,403 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 101 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 147 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 08 ለካቲት 2022

Categories