ኣብ ሸሞንተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ኣስማጥን፡ ኣብ 28 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ድባርዋን፡ ናይ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ምርጫታት ተኻዪዱ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣስማጥ ኣቶ ዑስማን ኣድም፡ ኣብ’ቲ ናይ 2018 ምርጫ – ሓንቲ ብደረጃ ኣካያዲት ስራሕ፡ 5 ድማ ኣነባበርቲ ዓዲ ደቂ-ኣንስትዮ ተመሪጸን ምንባረን፣ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ከኣ፡ 3 ደቂ-ኣንስትዮ ኣካየድቲ ስራሕን 17 ኣነባበርቲ ዓድን ከምእተመርጻ – እዚ ድማ ውጽኢት ናይ’ቲ እናሰረጸ ዝመጽእ ዘሎ ንቕሓት ከምዝዀነ ኣረዲኡ።
ካብቶም ሸሞንተ ኣመሓደርቲ፡ እቶም ናይ ኣስማጥ ገረግር፡ እምበልዳይ፡ ኤራን ሸጋልን ሓደስቲ፣ ኣብ እሮታ፡ ኣስነዳ፡ ሻካ-ወግረትን ሃውሽን ድማ ዳግማይ ዝተመርጹ ምዃኖም ኣቶ ዑስማን ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት ብወገኑ፡ 7 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 56 ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካየድቲ ስራሕን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓዲ ሰሰለስተ ኣነባበርቲ ዓድን ሰሰለስተ ኣከብቲ ግብሪን ከምእተመርጹ ሓቢሩ።
ህዝቢ ንዘርኣዮ ንቑሕ ተሳትፎ ድሕሪ ምምጓስ ከኣ፡ ብእምነት ንዝመረጾም ህዝቢ ብተወፋይነት ከገልግሉዎ ተላብዩ።
እቶም ዝተመርጹ ኣመሓደርቲ – ኣብ ክልቲኡ ንኡሳን ዞባታት፡ ብደረጃ ዞባን ንኡስ ዞባን ዝውጠኑ መደባት ልምዓት ንምዕዋት፡ ኣበርቲዖም ክዓዩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።