ብሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ምምሕዳራትን መሻረኽቲ ኣካላትን ክግበር ብዝጸንሐ ጐስጓሳት፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቡያ – ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ተሳትፎ ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ8.5 ሚእታዊት ዓብዩ።
ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቡያ መምህር ኣደም መሓመድ-ዑመር፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ እውን ብ29 ሚእታዊት፣ ቊጽሪ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ዝተመዝገቡ ተመሃሮ ድማ ብ35 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ ሓቢሩ።
ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 8ይ ክፍሊ 2020/2021፡ ኩሎም ተመሃሮኦም ከምዝሓለፉ ዝገለጸ መምህር ኣደም፡ ወለዲን መማህራንን ኣብ ምክትታልን ምሕጋዝን ተመሃሮ ንዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ሞጒሱ።
መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ንምሕያል እውን ብዝለዓለ ይስራሕ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ብጠቕላላ 58 ተመሃሮ ዝሓቝፋ ሰለስተ ነቝጣታት ከምዘለዋ፡ ተሳትፎ ደቂ-ተባዕትዮ ድሩት ስለዘሎ ግዳ፡
ዝምልከቶም ኣካላት እጃሞም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።