ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብክፍሊ ባህልን ስፖርትን ኣብ ዝተወደበ ናይ ክልተ ኣዋርሕ ስልጠና ቅብኣን ትልሂትን ዝተሳተፉ 86 መንእሰያት (45 ካብኦም ደቂ-ኣንስትዮ)፡ ብ1 ለካቲት ተመሪቖም።
እቲ ዕላማ፡ ዓቕሚታት መንእሰያት ንምምዕባል ምዃኑ ዝሓበረ – ሓላፊ ጨንፈር ባህሊ ኣቶ ስራጅ ማሕሙድ፡ ተመረቕቲ – 23 ብቅብኣ፣ 63 ድማ ብትልሂት ከም ዝሰልጠኑ ገሊጹ።
ኣሰልጠንቲ፡ እቲ ናይ ቅብኣ ትምህርቲ – ንድፊ ርሳስ፡ መጽናዕቲ ሕብሪ፡ ውህደትን ተክኒክን ስነ-ጥበባዊ ህየሳን፣ እቲ ናይ ትልሂት ድማ፡ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ ትልሂት፡ ቅርጽን ትሕዝቶን ያታዊ ትልሂት፡ ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ኣካላት ዘጣመረ ምንባሩ ሓቢሮም።
እቲ ስልጠና፡ ንዝነበሮም ውሱን ፍልጠት ዘበርኽ ምዃኑ ዝሓበሩ ተመረቕቲ፡ ስነ-ጥበብ ምስ ግዜን ኣብ ግዜን ዝዓቢ፡ ዘይዓርፍ ጻዕርን ሓገዝን ዘድልዮ ከምዝዀነ ብምግንዛብ፡ ብውልቃዊ ጻዕሪን ምልውዋጥ ፍልጠትን ተመኲሮን ከማዕብልዎ ዘለዎም ድልውነት ኣረጋጊጾም።
ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ኣቶ ዘርኢት ተወልደብርሃን፡ እቶም መንእሰያት – ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ከም መበገሲ ወሲዶም ብግብራዊ ስራሕ ከማዕብልዎ ኣዘኻኺሩ።
ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን እውን፡ 35 መንእሰያት ብስነ-ግጥሚን ትልሂትን ኣሰልጢኑ ከምዘመረቐ ዝዝከር እዩ።