ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ መደረ ኣስሚዑ ሳልሕ፡ ትማሊ ኣብ መበል 35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንመርገጺ ኤርትራ ዘነጽር መደረ ኣስሚዑ።
ኤርትራ ዘነጽር መደረ ኣስሚዑ። እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ መድረኽ ይቃናዕ ከምዘሎ ዝጠቐሰ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ ዓለምና ብዝርአ ዘሎ እልቢ ዘይብሉ ዲናሚካዊ ለውጥታት ሓይልን ጽልዋን፡ ምትህልላኽ ቀንዲ ኣህጉራውያን ሓይልታት ኣብ ቃልዕ ወጺኡ፡ ናይ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ሞዴል እንኮ-ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት፡ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ዘሎ ከምዝመስል፡ ምዕባለታት ዩክሬን፡ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና፡ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ፡ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ርሱን ቦታታትን ብምጥቃስ ገሊጹ።
“ኣብ’ዚ ኩሉ ከም ኣብነት ዝተጠቕሰ ጉዳያት፡ ኣፍሪቃ ከም ግቡእ ተራኡ ክጻወት ዘይከኣለ ተዓዛባይ ተዓኒዳ፡ ድምጻ ከተስምዕን ረብሓታታ ክትዕቅብን ኣይከኣለትን ዘላ።” ዝበለ ሚኒስተር ዑስማን፡ እቲ ዝኸፍአ፡ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ንሃገራዊ ጸጥታኣን ቊጠባዊ ምዕባለኣን ዝሃሲ ዕቱብን ህጹጽን ጉዳያት’ውን እንተዀነ፡ ተዓዛቢት ከምዘላ ብምምልካት፡ ነቲ ዘሎ ደርማስ ብድሆታት ንምስጋር፡ ብደረጃ ሃገር፡ ዞባን ክፍሊ-ዓለምን፡ ዘዋጽእ – ኣድማዒ ስትራተጂታት ምርቃቕ ስለዘድሊ፡ ንጽምዶ ዓጢቕናን ስትራተጂ ጽምዶ ኣርቂቕናን፡ ንነዊሕ ጉዕዞ – ኣብ ኩሉ ግንባራት ብዕቱብ ክንሰርሕ ግዴታ ከምዝዀነ ኣስሚሩሉ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መበል 35 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳተፍ ዘሎ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ
ኤርትራ፡ ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ንፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣድዮየ ተራኺቡ።
ኣብ’ቲ ብ4 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ ምስፋን ሰላምን ጸጥታን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።
ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣቐዲሙ እውን ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኬንያን ኣልጀርያን ብምርኻብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ክፍለዓለማውን ጉዳያትን ከምእተዘራረበ ዝፍለጥ እዩ።