ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 18 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ንሳቶም፡ 8 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ማእከል-ከተማ፡ ሰምበል፡ ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ሓዝሓዝ፡ ዕዳጋ-ሓሙስ፡ ዓዲ-ንፋስን ጻዕዳ-ክርስትያንን፣ 7 ካብ መርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ – ማለት 3 ካብ ሃበሮ፡ 2 ካብ ዒላበርዕድ፡ 2 ድማ ካብ ሓመልማሎ፣ ከምኡ’ውን 3 ካብ መመርመሪ ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ እዮም።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 14 ካብ ዞባ ማእከል፡ 13 ካብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሓደ ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 28 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 78 ዓመት ኣቦ ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልዩ ኣሎ።
በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,619 በጺሑ ኣሎ። 9,351 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 100 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 168 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።
ሚኒስትሪ ጥዕና – 04 ለካቲት 2022