ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ካብ 2 ክሳብ 6 ለካቲት ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ እተአንግዶ ዘላ መበል 35 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ይሳተፍ ኣሎ።
እቲ ኣኼባ፡ “ምሕያል ተጻዋርነት ኣብ ኣመጋግባን ውሕስነት መግብን ኣብ ኣፍሪቃ፣ ምሕያል ስርዓትሕርሻዊ መግብታት፡ ጥዕናን ስርዓት ማሕበራዊ ውሕስነትን ንምቅልጣፍ ሰባዊ፡ ማሕበራዊን ጠባዊን ምዕባለ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ እዩ ዝቃናዕ ዘሎ።
ጐድኒ-ጐድኒ እቲ ኣኼባ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ወከልቲ ኣባል ሃገራትን ውድባትን ሕብረት ኣፍሪቃ ርክባት ኣካዪዱ።
ልኡኽ ኤርትራ፡ ብ3 ለካቲት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣምባሳደር ራይሸል ኦማሞ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ብዛዕባ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ኬንያን፡ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ውሁድ ጻዕሪ ንምስፋን ሰላም፡ ርግኣትን ምዕባለን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዘራሪቦም። ልኡኽ ኤርትራ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣልጀርያ ሚስተር ራምታነ ላማምራ ኣብ ዘካየዶ ርክብ
ድማ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊን ክፍለ-ዓለማውን ጉዳያትን ዘትዮም።