ማሕበር ወነንቲ ታክሲ ዞባ ማእከል፡ ስድራ ስዉኣት ንምድጋፍ ብዝወሰዶ ተበግሶ፡ ካብ 2015 ክሳብ 2021 ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ናቕፋ ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ መንግስ ጊላሚካኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምሕብሓብ ስድራ-ስዉኣት – ጻውዒት ዘየድልዮን ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከትን ብምዃኑ፡ ማሕበር ኣብ ቀዳምነታቱ ከምዝሰርዖ ኣረጋጊጹ።

ስድራ-ስዉኣት ንምሕጋዝ ዝተወስደ ተበግሶ፡ ብወለንታን ብምሉእ ደገፍን ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣባላት ብግደኦም፡ እቲ ሰናይ ተግባር ረዚን ትርጉምን መልእኽትን ስለዘለዎ፡ ብዝበለጸ ክውደብ ኣዘኻኺሮም።

ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ማሕበር ኣቶ መንግስትኣብ ኣባይ፡ ማሕበር ብዘይካ’ቲ ንስድራ-ስዉኣት ዝገብሮ ደገፍ፡ ኣብ ምትግባር መምርሒታት ሓይሊ ዕማም ብሓፈሻ፡ ምክልኻል ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ድማ ብፍላይ ዓቲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ፣ ሎሚ ዓመት ድማ ብተወሳኺ – ኣብ ልግሲ ደም ክነጥፍ ከምዝጀመረ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ 954 ታክሲ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከምዘለዋ፡ ሰነዳት ማሕበር የረድእ።

Categories