ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ መዓልዲ – ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዝወሰድዎ ናይ ምጥርናፍ ስጉምቲ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክረኽቡን ንጥፈታት ሕርሻ ከስፍሑን ከምዝበቕዑ ገሊጾም።
ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝተዘርግሐ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝስተ ማይን ተዋዲዱሎም ከምዘሎ ዝሓበሩ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ንዝበለጸ ኣገልግሎት ሕጽረታት’ተን ትካላት ክማላእ ኣዘኻኺሮም።
ብተሳትፎ ኮም ዝተሰርሐት ቤትትምህርቲ፡ ክሳብ 320 ተመሃሮ ከምእተአንግድ፡ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።
በዓል-ሞያ ጥዕና መንእሰይ መሓመድ-ኣድም ሕዱግ ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣገልግሎታት ቀዳማይ ረዲአት፡ ሕክምና ተመላለስቲ ሕሙማትን ፍወሳ ሕዱር ሕማማትን ከምዝወሃብ ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎታት ክታበትን ክንክን ቅድምን ድሕሪን ሕርስን ዝጅምረሉ ኩነታት ክመቻቻእ ኣዘኻኺሩ።
ምምሕዳር ከባቢ መዓልዲ፡ 26 ኪ.ሜ ንሸነኽ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን ትርከብ።