ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ መዓልዲ – ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን፡ ሃብቲ ገረብ ንምዕቃብን ዝበረሰ ንምትካእን ብዝሓየለ ውዳበታት ክሰርሑ ዘለዎም ድሉውነት ኣረጋጊጾም።

ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ከባቢኦም ብመበቈላዊ ዓይነታት ኣግራብ ሃብታም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ምስ ሂወት ሰብን እንስሳን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዎ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ብምዕቃብን ሓድሽ ብምትካልን ንምስሳኑ ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ብዝበለጸ ከምዝደፍኡሉ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ መዓልዲ ኣቶ እድሪስ ዑመር ድማ፡ ምብራስ ኣግራብ ዛጊት ስለዘየቋረጸ፡ ኣብ ልዕሊ ዘብርሱ ዝብየን መቕጻዕቲ ክሕይል ብምዝኽኻር፡ ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ክስረሓሉ ዝጸንሐ ኣካይዳ ብዕቱብ ገምጊሞም ከትርርዎ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ተከሌዛን መንእሰይ ተስፋልደት ገብረብርሃን ብወገኑ፡ ብኮም ንዝውሰድ ተበግሶታት ዕቃበን ምግራብን ብምምጓስ፡ ዝያዳ ክተባብዕ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብደረጃ ንኡስ ዞባ፡ ዝበረሰ ኣግራብ ንምትካእ ቀጻሊ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ዝሓበረ መንእሰይ ተስፋልደት፡ ዛጊት ብጠቕላላ ልዕሊ 288 ሽሕ ኣግራብ ከምእተተኽለ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ንምስልሳል መደብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

Categories