ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ማእከልን ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ብዕለት 12 ታሕሳስ ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 55 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።
ንሳቶም ድማ፡ እቶም ናይ ዞባ ደቡብ – 13 ኣብ መወሸቢ ማእከል ሰንዓፈ፡ 7 ኣብ መወሸቢ ማእከል እንዳገርግስ፡ 1 ድማ ኣብ መወሸቢ ማእከል ማይ-ድማ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ብምሉኦም ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ብፍኑው ካብ ኢትዮጵያ ዝተመልሱ፣ ሓንቲ ካብ ሱዳን ተመሊሳ ኣብ መወሸቢ ማእከል እማህሚመ – ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ተዓቚባ ዝጸንሐት፣ 33 ድማ ካብ ኡጋንዳ ብቻርተር ነፋሪት ተመሊሶም ኣብ መወሸቢ ማእከል ኣስመራ ተዓቚቦም ዝጸንሑ’ዮም።
ብዘይካ’ቶም በብእዋኑ ብቻርተር ነፈርቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝምለሱ ዘለዉ ዜጋታት፡ ዋሕዚ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብፍኑው ዝምለሱ ዜጋታት ስለዘየቋረጸ፡ ዛጊት ናብ ኤርትራ ናይ ዝተመልሱ ዜጋታት ድምር ቊጽሪ 23,693 በጺሑ’ሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ዞባ ደቡብ ተዓቚቦም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ 39 ዜጋታት፡ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ሎሚ 711 በጺሑ’ሎ። 564 ካብ’ዚኦም ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓውዮም ዝተፋነዉ ክዀኑ ከለዉ፡ 147 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና
12 ታሕሳስ 2020