ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲተከሌዛን፡ ብሰንኪ ራሕቂ ቦታ ዘጋጥም ጸገማት ንምቅላል ብኮም ዝተሰርሐ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት፡ ኣደታት ብቐረባ ጥዕናአን እናተኸታተላ ብሓገዝ ሰብ ሞያ ጥዕና ክሓርሳ ዝምስገን ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።
ሓላፊ ኮማዊ ሆስፒታል ዓዲ-ተከሌዛን ነርስ ሳሚኤል ኣስመላሽ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን ሸነኽ ናይቲ ንኡስ ዞባ ዝርከባ ዓድታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ምክትታል ቅድምን ድሕሪን ሕርሲ ክሽገራ ምጽንሐን ጠቒሱ፡ ብዝተኻየደ ጎስጓስን ጻዕርን ግና እቲ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ከምእተሰርሐ ገሊጹ።
ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር፡ ሎሚ ዓመት ክትትል ቅድሚ ሕርሲ ናይ ዝገብራ ነብሰ-ጾራት መጠን ብ11 ሚእታዊት፣ ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ዓዲተከሌዛን ናይ ዝተገላገላ ከኣ ብ5 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ ዝጠቐሰ ነርስ ሳሚኤል፡ እዚ ውጽኢት ናይቲ ዝተዋደደ መጸበዪ ነብሰ-ጾራት ምዃኑ ሓቢሩ።
ሎሚ ዓመት ኣገልግሎት ሕክምና ስኒ ብምኽፋቱ፡ ነበርቲ ናብ ከረንን ኣስመራን ካብ ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞን ሃልክን ከምዝደሓኑ ጠቒሱ ድማ፡ ሕክምና ዓይኒ ንምጅማር መደብ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ነርስ ሳሚኤል ኣብ መወዳእታ፡ ነበርቲ ናይ’ተን ካብ ትካላት ጥዕና ራሕቂ ዘለወን ዓድታት መዓልዲን በገሳን ኣጋር ሓካይም ተመዲቦምለን ናይ ቀዳማይ ረድኤት ኣገልግሎት ይረኽባ’ኳ እንተለዋ፡ ብቐረባ ዝተማልአ ኣገልግሎት ዝረኽባሉ ኩነታት ክፍጠር ኣዘኻኺሩ።