ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ሽግር ዝስተ ማይ ንምቅላል ዕቱብ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ማሕሙድ ኢብራሂም ገሊጹ። ንኤሪና ኣብ ዝሓቦ ሓበሬታ፡ ኣቶ ማሕሙድ፡ ህዝቢ ጽሬቱ ዝተሓለወ ማይ ንኽረክብ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ስርሓት፡ ብጸሓያዊ ጸዓት፡ ሞቶረን ናይ ኢድ ፖምፓን ዝሰርሓ ብርክት ዝበላ ነቝጣታት ማይ ከምእተዋደዳ ብምግላጽ፡ ኣብ ኣርባዕተ ምምሕዳራት ከባቢ ግና ብሰንኪ ዘይምጥርናፍ ዓድታትን ዘይጥጡሕ ጽርግያን ዛጊት ዝተዋደደ ፕሮጀክታት ማይ ስለዘየለ፡ ኣብ 2021 ክትግበር መደብ ተታሒዙሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ድሉሕን መካዕኒለን ከምኡ’ውን ካልኦት ከባቢታት፡ ትሕተ-ባይታዊ ጋብላታት ተሰሪሐን ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ኣቶ ማሕሙድ፡ ኣብቲ ጸገማት ማይ ዘለዎ ከባቢታት፡ ብወፈራ ራህያታት ይስራሓ ከምዘለዋ ኣረዲኡ። ቀረብ ማይ ማእከል ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ዝኾነት ገልዓሎ ንምውሓስ’ውን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝጸንሐ፡ ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ 250 ፊስቶ ዝሕዝ ገንኢ ከምእተሰርሐ ኣብሪሁ።
ኣብ መወዳእታ ኣቶ ማሕሙድ፡ ህዝቢ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስርሓት ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ብምዝኽኻር፡ ፋሕ ኢለን ዝርከባ ዓድታት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝረኽባሉ ከባቢ ክጥርነፋ ጸዊዑ።
ካብ ባጽዕ 135 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ዝርከብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ይጥርንፍ።