ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዝተራእየ ካብ ስግር ባሕሪ ዝመጽአ ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ሓይሊ-ባሕሪ ኤርትራን ካልኦት ኣካላትን ተወሃሂዱ ብዝወሰዶ ቅልጡፍን ኣድማዕን ስጒምቲ፡ ኣብ ሕርሻዊ ልምዓትን መግሃጫታትን ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ።
እቲ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሰልዒት፡ ኖራ፡ ጀምሂለን ድሕልን ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ፡ ሳላ ካብ ነበርቲ ዝተረኽበ ቅልጡፍ ሓበሬታ፡ ብርክት ዝበለ ሓይሊ ሰብን መሳለጥያታትን ብምውፋር ንምቊጽጻሩ ከምእተኻእለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍሊጡ።
ሎሚ ዓመት ኣብ መላእ ገማግም ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን ዕስለ ኣንበጣ ከምዘጋጠመ ዝሓበረ ኣባል’ቲ ጨንፈር መንእሰይ ተስፋጽዮን ተኽለሰንበት፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ምምሕዳራት፡ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ተወሃሂዱ ብዘካየዶ ብዓቕሚ-ሰብን ማሽነሪታትን ዝተደገፈ ንጥፈታት ምንጻግ መድሃኒት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ገሊጹ። ክቕሰም ዝጸንሐ ተመኲሮ፡ ኣብ ዓወት ናይ’ቲ ኣብ ደሴታት ዳህላክ ዝተኻየደ ወፍሪ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝገበረ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣዛዚ እዚ ሰሜን ሌተናል ኮሎኔል የማነ ገብረማርያም (ወዲ-ገረ) ብወገኑ፡ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምጥፋእ፡ ተራ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዕዙዝ ምንባሩ ገሊጹ። ኣስዒቡ ድማ፡ እቲ ሓደጋ ዳግማይ ከይክሰት ንምክልኻል፡ ነተን ሰብ ዘይነብረለን ግን ከኣ ንመፍረ ኣንበጣ ምቹኣት ዝኾና ደሴታት፡ ሓይሊ ባሕሪ ምስ ገፈፍቲ ዓሳ ብምትሕብባር ቀጻሊ ኮለላታት ክገብሩለን ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዳህላክ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ-ዓሊ ድማ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሳላ ዘርኣዮ ተወፋይነት እቲ ዕማም ብዓወት ከም እተሳለጠ ብምሕባር፡ ምስ ዘሎ ጥሉል ክራማት ባሕሪ እቲ ሓደጋ ምሉእ ብምሉእ ስለዘይተቐንጠጠ፡ እቲ ምክትታል ቀጻልነት ክህልዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።
ካብ ወርሒ ሕዳር 2019 ጀሚሩ ኣብ ገለ ከባቢታት ዞባታት ደቡብ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ወራር ኣንበጣ ከምእተኸስተ፡ ብዝተወስደ ቅልጡፍን ዝተወሃሃደን ኣድማዒ ስጒምቲ ድማ ኣብ ሕርሻን መጋሃጫታትን ጉድኣት ከየውረደ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ይዝከር። ኣብ ከባቢና ዘለዋ ሃገራት ገና ብወራር ኣንበጣ ተጠቒዐን ስለዘለዋ ግን፡ እቲ ናይ ምክትታልን ምጉስጓስን ንጥፈታት ቀጻልነት ክህልዎ ክኢላታት የዘኻኽሩ።