ቤት-ጽሕፈት ጠቕላሊ ኦዲተር፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ንዝነጥፉ 40 ኣባላት ውሽጣዊ ኦዲት፡ ካብ 9 ክሳብ 13 መጋቢት ትምህርታዊ ስልጠና ሂቡ።
ኣብቲ ስልጠና ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት፡ ካብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት፡ ኮለጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ኮለጅ ምህንድስናን ቴክኒክን፡ ቤት-ጽሕፈት ጉምሩክ፡ ከምኡ’ውን ካብ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ዝመጹ’ዮም።
እቲ ስልጠና፡ ሓፈሻዊ ጠመተ ውሽጣዊ ኦዲትን ኣገባባቱን፣ ኣድማስ ባህሪን ሜላታት ስራሕን ኦዲት፣ መለክዒታት ትግባረን ስርዓት ኣካይዳን ኦዲት፣ ዓመታዊ ውሽጣዊ ኦዲትን ውዕላዊ ውጥናትን፣ ከምኡ’ውን መሳለጥያታትን ሜላታት ኣቀራርባን ኦዲት ዝብሉ ዛዕባታት ዘጠቓለለ ነይሩ።
ንኣገዳስነትን ተራን ውሽጣዊ ኦዲት ምስ ምምዕባል ንግዳዊ ንጥፈታት ብምውህሃድ መብርሂ ዝሃበ ጠቕላሊ ኦዲተር ኣቶ ገረዝጊሄር ገብረመድህን፡ ዕላማ’ቲ ስልጠና፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ዝርከቡ ውሽጣዊ ኦዲተራት ዕማሞም ብግቡእ ከሳልጡ፡ ኣፍልጦኦም ብምዕባይ ድማ መንግስቲ ዝሰልዖ ባጀት ብዝግባእ ኣብ መዓላ ንኽውዕል ብምርግጋጽ፡ ስራሕ ጠቕላሊ ኦዲተር ብኸፊሉ ንምጽፋፍ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣቶ ገረዝጊሄር ኣብ መወዳእታ፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ክልሰ-ሓሳብ ናብ ግብሪ ንምትርጓምን ዓቕሞም ንምዕባይን ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።