ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ‘ንምልኣት ኣግእዞና ጠመተና ንቕድሚት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ን8 መጋቢት – ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብልዑል ማዕርግ ኣብዒሎማ።

በዚ መሰረት፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም – ሱዳን፡ ካይሮ – ግብጺ፡ መልበርን – ኣውስትራልያ፡ ቩፐርታል፡ ፉልዳ፡ ፍራንክፈርት፡ ሽቱትጋርት፡ ዱዘልዶሩፍ፡ ጊሰን፡ ቢሊፈልድ፡ ሙንሸን፡ ካይዘረስላውተር፡ ሃምቦርግ፡ ኑርንበርግ፡ ፍራይቦርግን ካስልን – ጀርመን፡ ጅዳን ርያድን – ስዑዲ-ዓረብ፡ ጁባ – ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ናይሮቢ – ኬንያ፡ ጆሃንስበርግ – ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ለንደን፡ በርሚንግሃም፡ ማንቸስተር፡ ኖቲንግሃም፡ ኮቨንትሪ፡ ሸፊልድ፡ ኒውካስል፡ ሊቨርፑልን ሊድስን – ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከምኡ ድማ ነበርቲ ስቶክሆልም – ሽወደን በብወገኖም ዝወደብዎ ጽምብላት፡ ንክብሪ’ታ ዕለትን ቅያ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይትን ብዘንጸባርቕ መሰናድኦታት ደሚቑ ከም ዝነበረ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ክንበብ እንከሎ፡ ኣብ’ተን ሃገራት ዝርከቡ ኣምባሳደራት፡ ቈንስላት፡ ቀዳሞት ጸሓፍቲ፡ ሓለፍቲ ኮማውን ህዝባውን ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን፡ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምሕላው ልኡላውነትን፡ ካብ ስልማታ ክሳብ ህይወታን ደቃን ዘወፈየት – ሕመረት ኤርትራዊ ጅግንነት ምዃና ብምጥቃስ፡ ኣብ ልምዓት ሃገር’ውን መሪሕ ተራ ትጻወት ከምዘላ ገሊጾም።

ንሳቶም ኣስዒቦም፡ 8 መጋቢት፡ እዚ ክብሪታት’ዚ ተዓቂቡ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ክወራረስ እተዘኻኽር ክብርቲ ዕለት ከምዝኾነት ብምጥቃስ፡ ብትምህርትን ሞያን ዝሰጐመ ወለዶ ንምፍጣር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ሕብረተሰብ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሮም።

8 መጋቢት፡ ነቲ ብሓያል ቃልስን ብግብራዊ ስራሕን ዝተረጋገጸ መሰላት ንምውሓስ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ድምጸን ዘስመዓላ ዕዝዝቲ ዕለት ምዃና ክግለጽ እንከሎ፡ ንኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ብኹሉ መዳያት ንምሕያል፡ ኩሉ ዜጋ ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

እቲ ጽምብላት፡ ብሰሚናራት፡ ከምኡ’ውን ብባህላውን ስነ-ጥበባውን መሰናድኦታት ዝተሰነየ’ዩ ነይሩ።

Categories