ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኮም ዝሰረቱ ከባቢያዊ ጽሬት ብሰፊሑ ብምትእትታዉ፡ ብጉድለት ጽሬት ዝመሓላለፉ ሕማማት ብሓፈሻ፡ መጠን ሞት ህጻናት ከኣ ብፍላይ እናነከየ ይመጽእ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብዛዕባ ምውሓስ ከባቢያዊ ጽሬት’ቲ ንኡስ ዞባ ንምዝታይ ብ5 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ኣብ መዳይ ሓለዋ ጥዕና ዝሰላሰል ንጥፈታት ኣድማዕነት ንኽህልዎ፡ ኮም ዝሰረቱ ከባብያዊ ጽሬትን ተጠቃምነት ዓይኒምድሪን መሰረታዊ ስለዝኾነ፡ ብዝለዓለ ውዳበ ክድፋኣሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ ዜናዊ ገብረድንግል ብወገኑ፡ ዛጊት ተሳሊጡ ዘሎ ዕዉት ስራሕ ውጽኢት ሓያል ተበግሶ መሻርኽትን ነበርትን ምዃኑ፡ ምስ’ቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝመጸ ንቕሓትን ኣፍልጦን ህዝቢ ተደሚሩ ድማ ኣድማዕነቱ ገና እናበረኸ ከምዝኸይድ ዘጠራጥር ከምዘየለ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ምህናጽ ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት ኣብ ምግታእ ብጉድለት ጽሬት ዝመጹ ሕማማት፡ ከምኡ’ውን ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምክንኻንን ምውሓስን ዓይኒ-ምድሪ ክኽተሎ ዝግብኦ ኣገባባትን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ነበርቲ 8 ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኣገዳስነት ናይቲ መደብ ብምግንዛብ፡ ኣብ 2020 ዓይኒምድሪ ሃኒጾም ብግቡእ ክጥቀሙሉ ለበዋ ቀሪቡሎም።

Categories